ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ሞያሌ ብዝቕጽል ዘሎ ግጭት ልዕሊ 40 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ኬንያን ከተማ ሞያሌ ብዕጡቓት ሶማሌ ዝተጀመረ መጥቓዕቲ ደው ከምዘይብለ ነበርቲ ገሊፆም።ታሸዓይ መዓልቲ ብዝቐፀለ መጥቓዕቲ ክሳብ ሎሚ ልዕሊ 40 ሰባት ሞይቶም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ቆሲሎም፣ ካል ኦት ብኣሽሓት ዝግመቱ ነበርቲ እታ ከተማ ድማ መንበሪኦም ገዲፎም ከምዝተሰደዱን ምምሕዳር እታ ከተማ ኣፍሊጡ።

ነቲ መጥቓዕቲ ዝፍፅምዎ ዘለው ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ሶማሌ ዝነበሩን ዕጡቓት ኣል-ሸባብን ምዃኖም ነበርቲ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም።

ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ ናይሮቢ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ከተማ ሞያሌ መጥቓዕቲ ፈፂምና ክብሉ ዕጡቓት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዘውፅኡዎ ቪዲዮ ንክትዛረቦ እውን ዘስካሕክሕ ተግባር ተፈፂሙ’ሎ ክብል ሓደ ነባሪ እታ ከተማ ኣረጋጊፁለይ ይብል።

XS
SM
MD
LG