ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሞያለ ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ 10 ምሟቶም ተገሊጹ


ካብ ክልል ኢትዮጵያ ሶማሊያ ዝመፅ ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ከተማ ሞያለ ይፍፀምዎ ዘለው መጥቓዕቲ ንንሻድሻይ መዓልቲ ከምዝቐፀለን ሎማ ዓርቢ እውን ዕጡቓት ካብ 10 ሰባት ንላዕሊ ከምዝቐትሉን ነበርቲ ገሊፆም።

ካብቶም ዝተቐትሉ ኣማሓዳሪ ቀበሌ 02 ዝኾኑ ኣቶ ዋቆ ላኬ ምዃኖም ብምሕባር እቲ ቶኽሲ ብምቕፃሉ ብዝሒ ናይ ዝተቐትሉ ንምፍላጥ ከምዘይክኣል እቲ ፀብፃብ ይሕብር።

ካብ ክልል ሶማሊያ መብርሂ ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ኣይሰለጠን።

XS
SM
MD
LG