ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዘተ-ሰላም ኢትዮጵያ ኣብ ዕጹው ማዕጾ ይቕጽል: ቀ/ሚ ብዛዕባ ናይ ደገ ምትእትታው ይጠቅስ


ዘተ ዝካየደሉ ዘሎ ህንጻ
ዘተ ዝካየደሉ ዘሎ ህንጻ

ሰሉስ 25 ጥቅምቲ ኣብ ፕሪቶሪያ ደቡብ-ኣፍሪቃ ዝጀመረ ዘተ-ሰላም ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መሪሕነት ክልል ትግራይን በቲ ፈለማ ወጺኡ ዝነበረ መደብ ሰንበት ክዛዘም እኳ እንተ ተሓስበ፡ ክሳብ ሎሚ ይቕጽል ኣሎ። መወዳእታ ናይቲ ዘተ-ሰላምን ዛጊት ብዛዕባ ተበጺሑ ዘሎ ምዕባለታትን ግን ንህዝቢ ግሉጽ የሎን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ፡ እቲ ዘተ ካብ ዝጅምር ንፈለማ እዋኑ ንማዕከናት ዜና ዝተዛረበ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ምስ ናይ ቻይና ቴለቪዥን China Global Television Network (CGTN) ኣብ ዝገበሮ ሓጺር ምልልስ፡ ኣብቲ ዝርርብ ሰላም ከቢድ ናይ ደገ ምትእትታው ኣሎ ክብል ተዛሪቡ። “ብሰንኪ እቲ ብየማንን ጸጋምን ዘሎ ናይ ደገ ጸቕጥታት ኣዝዩ ከቢድ’ዩ” ዝበለ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኢትዮጵያውያን ጉዳዮም ባዕሎም ክፈትሑ ከም ዝኽእሉ ወሲኹ ገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ብዛዕባ’ቲ ዝጠቐሶ ናይ ደገ ዝበሎ ምትእትታውን ጸቕጢን ተወሳኺ መብርሂ ኣይሃበን፣ ኣስማት እቶም ጸቕጢ ዝገብሩ ዝበሎም ኣካላት’ውን ኣይረቝሐን።

ኣብ ተመሳሳሊ ምዕባለ ወሃብ-ቃል ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ዝዀነ ነድ ፕራይስ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ዘተ-ሰላም ምቕጻሉ ሓደ ጽቡቕ መርኣያን ናይ ምዝርራብ ድሌትን ምዃኑ ኣመልኪቱ። እቲ ወሃብ-ቃል ወሲኹ፡ ኣብ ባይታ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ዜጋታት ዝወርድ ዘሎ ግፍዒን ምክልባትን ኣመና ከም ዘሻቕል ድሕሪ ምሕባር፡ ሕጂ’ውን ንዅላቶም ኣካላት ናብ ሰላማዊ ዘተ ከምርሑ ጸዊዑ።

XS
SM
MD
LG