ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝርርብ ሰላም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝቃንዓሉ፡ ኲናት ይቕጽል ምህላዉ ኣዘዝቲ ይገልጹ


SAFRICA-ETHIOPIA-TIGRAY-CONFLICT-PEACE TALKS
SAFRICA-ETHIOPIA-TIGRAY-CONFLICT-PEACE TALKS

(ዋሺንግተን)--ዝርርብ ሰላም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝቃንዓሉ ዘሎ እዋን፡ ኵላቶም ወገናት ርእይቶ ካብ ምሃብ ተቖጢቦም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ንናይ ትግራይ ልኡኽ መሪሑ ዘሎ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ንፈለማ እዋኑ መልእኽቲ ትዊተር ጽሒፉ።

ኣቶ ጌታቸው ኣብ ናይ ትዊተር መልኽእቱ፡ መጽሔት ዘ ኢኮኖሚስት ኲናት ናብ መቐለ ቀሪቡ ዝበለቶ ብምቅዋም፡ እቲ ኲናት ካብ መቐለ ኣስታት 160 ኪሎ-ሜተር ርሒቑ ኣብ ኮረም’ዩ ዝካየድ ዘሎ ክብል መሊሱ። ኣይተ ጌታቸው ኣብ ትዊተሩ ብዛዕባ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ዘተ-ሰላም ኣይጠቐሰን።

ኣብ ተመሳሳሊ ምዕባለ ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይ ዝዀነ ጀነራል ታደሰ ወረደ ትማሊ ምስ ማዕከናት ዜና እቲ ክልል ኣብ ዝግበሮ ጻንሖት እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ፈጺሙ ደው ኣይበለን ክብል ተዛሪቡ። ጀነራል ታደሰ፡ “ካልእ ኣማራጺ ስለ ዘይብልና ክሳብ መወዳእታ ክንቃለስ ኢና” ክብል ገሊጹ። እቲ ጀነራል ንኸተማታት ዓድዋ፡ ኣኽሱምን ካልእን ፈደራላዊ መንግስቲን ሰራዊት ኤርትራን ድሕሪ ምቍጽጻሮም ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ግፍዒ የውርዱ ኣለዉ ድሕሪ ምባል፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን ንትግራይ ዘመሓድሩ ኣባላት መዚዙ ኣሎ ክብል ተዛሪቡ።

ብዛዕባ’ዚ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተዋህበ ወግዓዊ መገልጺ ዛጊት የሎን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣምባሳድር ኢትዮጵያ ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ኣምባሳድር ተፈሪ መለስ ደስታ፡ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዝጸሓፎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ፡ መንግስቱ ንዘተ-ሰላም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ይጽዕረሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ መሬታዊ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኢትዮጵያ ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ዝኣቱ ኣይኮነን ኢሉ። እቲ ኣምባሳድር ኣብ መልእኽቱ መራሕቲ ህወሓት ክዓጥቁን ነቲ ኣዕናዊ ዝብሎ ቃልሶም ክምለሱን ክፍቀዶም ኣይግባእን ብምባል፡ ብረቶም ከውርዱ ዝጽውዕ መልእኽቲ ኣስፊሩ`ሎ።

XS
SM
MD
LG