ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ዘተ-ሰላም ኢትዮጵያ ኣብ ዝካየደሉ እዋን ሰራዊት ኤርትራ ግፍዒ ይፍጽሙ” ኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ


ከተማ ሽረ -ፋይል
ከተማ ሽረ -ፋይል

መሰኻኽር ዓይኒ ንኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ከም ዘመልከቱዎ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ዝተቖጻጸሮ ወገናት ክልል ትግራይ ግፍዒን ዝምታን ይፍጽም ኣሎ ኢሎም።

ኣገልግሎት ኢንተርነትን ካልእ መራኸቢታትን ተቛሪጹ፡ ጋዜጠኛታትን ንምእታው’ውን ስለ ዘይከኣል፡ ንብዝሒን ዓይነት ዝወረደ ዕንወትን ብናጻ ኣካል ምርግጋጹ ከቢድ’ዩ። ወሃብ-ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ መብርሂ ንምሃብ ተሓቲቱ’ውን መልሲ ኣይሃበን።

ብሰንኪ ምቍራጽ መራኸቢታት፡ ስድራቤታት ደሃይ መቕርቦም ክረኽቡ ከም ዘይክኣሉ ይነግሩ። ኣብቲ ኣቋሪጹ ድሕሪ ምጽናሕ ወርሒ ነሓሰ ዝጀመረ ኲናት፡ ኣመሪካ፡ ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ተቐቲሎም ምህላዎም ትግምት። ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብዅላቶም ኣካላት ግፍዒ ምፍጻሙ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ ሓቢሩ ኣሎ።

ንድሕነቱ መንነቱ ክዕቀብ ዝሓተተ ሓደ ሰራሕተኛ ረዲኤት፡ ብሰንበት’ውን ሰላማውያን ዜጋታት ብሰራዊት ኤርትራ ከም ዝተቐትሉ ኣመልኪቱ። እቲ ሰራሕተኛ ረዲኤት ኣቐዲሙ ኣብ ኣኽሱም ዝነበረ ኰይኑ፡ ሕጂ ኣብ ሽረ ይርከብ። ብሰንኪ’ቲ ቀጻሊ ምጕስቓል፡ ህዝቢ ኣብ ራዕዲ ከም ዘሎ ድማ እቲ ዝተጠቕሰ ዜጋ ይሕብር።

ከምቲ ኣብ ቀዳማይ እግሮም ዝገበሩዎ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣእካል ከቃጽሉ ምርኣዮም’ውን እቲ ሰራሕተኛ ረዲኤት ኣመልኪቱ ኣሎ።

ኣብ ሽረ፡ ኣብ ዓለማዊ ትካል ረዲኤት ዝሰርሕ ዜጋ፡ ሰራዊት ኤርትራ ብመካይን ጽዒኖም ንብረት ምውሳዶም ይሕብር። ከም ሓበሬታኡ ድማ እቲ ምውሳድ ንብረት እንኮላይ ብጽዕነት ገመል ዘጠቓልል’ዩ። ኣብቲ መዓስከር ብልክዕ ዝገበሩዎ ምፍላጥ ዛጊት ኣይተኻእለን ደኣ’ምበር፡ ወተሃደራት ኤርትራ ናብ መዓስከር ተመዛበልቲ’ውን ምእታዎም ተሓቢሩ ኣሎ።

ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ለገሰ ቱሉ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኤርትራ ናይ ምቍጽጻር ዓቕሚ እንተለዎም ተሓቲቱ ንኣሶሴይትድ ፕረስ መልሲ ኣይሃበን።

ኣብ ሽረ ዝርከቡ ክልተ ሰራሕተኛ ረዲኤት’ውን፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ከም ዝፈተሹ ሓቢሮም። ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ’ውን ብዛዕባ’ዚ ግብረ-መልሲ ንምስማዕ ካብ ዝምልከቶም ኣካላት ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰለጦን።

ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ብዛዕባ’ቲ ብሰራዊት ኤርትራ ተፈጺሙ ዝተባህለ ግፍዒ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ዝረኸቦ ግብረ-መልሲ ኣየስፈረን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ንመጨረሽታ እዋን ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ክልል ትግራይ 23 ነሓሰ’ዩ ኣትዩ። ብሰንኩ ድማ ኣብቲ ክልል ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ሰፊኑ ከም ዘሎ ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ዘተ-ሰላም፡ ኣብቲ ኲናት ዓቢ ኢድ ከም ዘለዋ ብሰፊሑ ዝተጸብጸበ፡ ኤርትራ ኣይሓወሰን።

ኲናት ግን ገና ይቕጽል ከም ዘሎ በበይኖም ኣካላት የመልክቱ ኣለዉ።

XS
SM
MD
LG