ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዘተ ሰላም ኢትዮጵያ ተናዊሑ


ዘተ ሰላም ኢትዮጵያ ዝካየደሉ ዘሎ ህንጻ
ዘተ ሰላም ኢትዮጵያ ዝካየደሉ ዘሎ ህንጻ

ዘተ ሰላም ኢትዮጵያ ክሳብ ሎሚ ሰኑይ ክቕጽል ተናዊሑ።

ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ተወከልቲ ክልል ትግራይን ኣብ ፕሪቶርያ ደቡብ ኣፍሪቃ ክካየድ ዝቐነየ ዝርርብ ሰላም ክሳብ ትማሊ ሰንበት ተመዲቡ`ኳ እንተነበረ፡ ክሳብ ሎሚ ሰኑይ ምቕጻሉ ምስቲ ምድላው ቅርበት ዘለዎ በዓልስልጣን ንኣሶሼይትድ ፕረስ ኣረጋጊጹ`ሎ።

ወሃብ-ቃል ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ኢባ ካሎንዶ ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ብመልእኽቲ ቴለፎን ከም ዝሓበሮ ድማ፡ እቲ ተናዊሑ ዘሎ ዘተ-ሰላም ዝዛዘመሉ ዕለት ገና ኣይተነጸረን። ምስቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ወገናት ከም ዝሓበሩዎ’ውን ሎሚ ሰኑይ ዝቐጸለ ዝርርብ መዓስ ክዛዘም ትጽቢት ከም ዝግበሮ ኣየነጸሩን።

ካልእ ምስ ተላዘብቲ ክልል ትግራይ ቅርበት ዘለዎ ወገን ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ፡ እቲ ዘተ ክሳብ ሰሉስ ክቕጽል ከም ዝኽእል፡ ነቶም ተዛተይቲ ብምውካስ ኣመልኪቱ።

እቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ዘሎ ዘተ-ሰላም ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበር ይደሊ`ሎ፡ ኣመሪካ እቲ ኲናት እቲ ኣማኢት ኣሸሓት ሰባት ከምዝጠፍአ ተስምረሉ'ላ።

ወከልቲ ክልቲኦም ተላዘብቲ ወገናት ብዛዕባ`ቲ ዘተ ዝብልዎ እንተሎ ተሓቲቶኦም ዝመለሰ የለን። ሓይልታታ ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ኮይኖም ዝዋግኡ ከምዘለዉ ትግለጽ ኤርትራ ኣካል ናይቲ ዘተ ኣይኮነትን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣገልግሎት መራኸቢታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ዝዘርግሖ ናይ ጽሑፍ መግለጺ፡ ነቲ ኣቐዲሙ ብኣዛዚ ሰራዊት ህወሓት ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ንምርቋሕ ኣመሓደርቲ ክልል ትግራይ ብፈደራል መንግስቲ ኣመልኪቱ ዝተዘርበ፡ ኣሉታዊ ምላሽ ሂቡ'ሉ ኣሎ። እቲ መግለጺ፡ ንክልል ትግራይ ዘመሓድሩ ደቂ-ትግራይ እምበር ካልእ ኣካል ክኸውን መንግስቲ ከም ዘይፈቅድ ጠቒሱ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG