ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሰስ ደቡብ ሱዳን ኣትዮም


ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ሎሚ ዓርቢ 3 የካቲት 2023 ናይ ዲሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎ ዑደቶም ዛዚሞም ናብታ ብግጭትን ብሕሱም ድኽነትን ትሳቐ ዘላ ጎረቤት ደቡብ ሱዳን ተጓዒዞም።

ናብ ደቡብ ሱዳን ቅድሚ ምእታዎም ኣብ ድሩኡ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ማእኸላይ ኢዃተሪያል ኣብ መንጎ ጓሶትን ከባቢያዊ ሚልሻንን ብዝተላዕለ ግጭት 27 ሰባት ተቐቲሎም።

86 ዓመት ዝዕድሚኦም ፍራንሲስ ኣብ 2013 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኮይኖም ካብ ዝቕብኡ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ ክበፅሑ እዚ ሳልሳዮም እዩ። ኣብ ዋና ከተማ ኮንጎ ኪንሳሻ ህዝቢ ብድሙቕ እዩ ተቐቢሉዎ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ብቕድሚ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ምብራቕ ኮንጎ ምስ ግዳያት ዝተፈላለዩ ዓመጽን መስቐይቲን ተራኺቦም:ተዘራሪቦም።

ንሶም ነቶም ዝሰምዖም ግፍዒታት "ጨፍጫፋት ገበናት ኲናት" ክብሉ ብምኹናን ኩሎም ናይታ ሃገር ሰፊሕ ፀጋታት ማዕድን ንምምዝማዝ ኣብ ኮንጎ ኲናት ዘጎሃህሩ ዘለው ናይ ወፃኢን ውሽጥን ኣካላት "ብደም ብዝጠልቀየ ገንዘብ’’ ምህብታም ጠጠው ከብሉ ተማሕፂኖም።

XS
SM
MD
LG