ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንስ ኣብ ዲ/ሪ/ ኮንጎ ምብጻሕ የካይዱ


ርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዘካይድዎ ዑደት ብምጅማር ሎሚ ሰሉስ 31 ጥሪ 2023 ኣብ ዋና ከተማ ዲሞክራቲክ ሪፖብሊክ ኮንጎ ኪንሳሻ ኣትዮም።ዕላማ ዑደቶም ኣብ ጎንጺ ዝረከባ ሃገራት ናይ ሰላም መልእኽቲ ንምምጻእ ምዃኑ ተገሊጹ'ሎ።

እቶም ወዲ 86 ዓመት ርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ሽዱሽተ መዓልታት ዑደቶም ብደሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎ ክጅምሩ`ዮም፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ኪንሻሳ ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ን`ዶሎ ኣብ ክፉት ሜዳ ቅዳሴ ክመርሑ`ዮም። ዲሞክራቲክ ሪፖብሊክ ኮንጎ ብውሕዱ ፍርቂ ህዝቢ ኮንጎ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ`ዩ። ኣብ ኣፍሪቃ ዝበዝሐ ካቶሊክ ኮሚኒቲ ዝርከባ ሃገር ምዃና`ውን ይንገር።

ድሕሪ ናይ 1985 ዑደት ጆን ፖወል ካልኣይ፡ ርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ኮንጎ ክበጽሕ ንመጀመርያ ግዜ`ዩ።

ርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ድሕሪ ናይ ኮንጎ ዑደቶም ናብ ደቡብ ሱዳን ክቕጽሉ`ዮም። ኣብኡ ድማ ሊቀ-ኣቡን ካተርበሪ ጃስቲን ወልቢ፡ ከምኡ ድማ መራሒ ቤተክርስትያን ስኮትላንድ ኢያን ግሪንሺልድስ ክጽንበርዎም`ዮም፡ ብሓባር ኮይኖም ድማ ነታ ሃገር ደቑስዋ ዘሎ ህውከት ከዕርፍ ክጽውዑ ምዃኖም ተሓቢሩ`ሎ። ኩናት ሕድሕድ ደቡብ ሱዳን ንልዕሊ ክልተ ሚልየን ሲቪላት ከምዘፈናቐለ ክግለጽ ጸኒሑ`ሎ።

XS
SM
MD
LG