ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሊቃነ ጳጳስ ፍራንሰስ ኣብ ዲ/ሪ/ኮንጎ ቃለ ቡራኬ አካይዶም


ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ቅድሚ ሓደ ሚሊዮን ዝግመት ህዝቢ ኣብ ዝሃቡዎ ቃለ ቡራኬ ንዓሰርተታት ዓመታት ብዝጸንሐ ህውከት ዝተጎድአት ሃገር ሰላምን ዕርቅን ብምስባኽ ህዝቢ ኮንጎ ንዝጎድኡዎም ይቕሬታ ክገብሩሎም ተማሕፂኖም።

ብዙሓት ኣመንቲ ኮንጎ ቅድሚ እቲ ቡራኬ ኪንሳሻ ኣብ ዝርከብ ሰፊሕ ሜዳ መዕረፎ ነፈርቲ ንዶሎ ለይቲ ምሉእ ኣሕሊፎምዎ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ጆን ፖል ኣብ 1965 ምብፃሕ ካብ ዘካይዱ ንመጀመሪያ ናብ ኮንጎ ዝበጽሑ ጳጳስ ፍራንሲስ ኣብቲ ቦታ ቅድሚ ምብፅሖም ቅድሚ ሰዓታት ይፀበዩ ዝነበሩ ኣመንትን ይዝምሩን ይስዕስዑን ነይሮም።

ሸይላ ዝተባህለት ጓል 20 ዓመት ነባሪት ኪንሳሻ ንብዙሕ ዓመታት ተፀቢና ኢና ኣምላክ ክብሪ ይብፅሓዮ ፀሎትና ሰሚዑ እቶም ጳጳስ ናብዛ ሃገር ሰላም፡ ፍስሃን ታሕጓስን ሒዞም መፂኦም ኢላ።

እቶም ኣርጀንቲናዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሓደ ካብ ኣርባዕተ ሃገራዊ ቋንቋ ኮንጎ ብዝኾነ ብሊንጋላ ሰላምታ ኣብ ዝሃቡሉ ግዜ እቲ እኩብ ህዝቢ ደስትኡ ገሊፁ።ኣብነት እየሱስ ክርስቶት ብምጥቓስ ልቦንኦም ንይቕሬታ ክኸፍቱ ክሓቱዎም ከለው እቲ ህዝቢ ፂን ኢሉ ይሰምዕም ነይሩ።

ቃለ ቡራኬ ፍራንሲስ ክሰምዕ ዝመፀ ህዝቡ ሓደ ሚሊዮን ከምዝኸውን ንከባቢያዊ ኣዳለውቲ ብምጥቃስ ቫቲካን ገሚታ ኣላ።

ብመሰረት ሓበሬታ ቫቲካን ዳርጋ ፍርቂ 15 ሚሊዮን ህዝቢ ኮንጎ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ እዮም ።

XS
SM
MD
LG