ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሰስ ምስ መንእሰያትን መራሕቲ ሃይማኖትን ተራኺቦም ተዘራሪቦም


ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ሎሚ ሓሙስ 2 የካቲት 2023 ኣብ ርእሲ ከተማ ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኪንሻሳ ዝርከብ ስታድዩም ሰማእታት ምስ መንእሰያትን መራሕቲ ሃይማኖትን ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ተረኺቦም።

ብዙሓት ሰባት ኣብ ውሽጢ እቲ ስታድዩም ተኣኪቦም ባንዴራ እናምበልበሉ ሓጎሶም ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ክገልፅሎም ተራእዮም። እዚ ኣካል'ቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዘካይድዎ ዘለዎ ናይ ሽዱሽተ መዓልታት ዑደት'ዩ።

ትማሊ ረቡዕ 1 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ዝመርሕዎ ስርዓተ ቕዳሰ ንምክትታል ኣብ ኪንሻሳ ምርኻቦም ዝተፈላለያ መሓውራት ዜና ጸብጺበን ኣለዋ።

XS
SM
MD
LG