ሕ/ሃ ኣብ ሊብያ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዓቐኑ ዝሓለፈ ሓይሊ ኔሩ ብምባል መርመራ ክካየድ ጸዊዑ

  • ዜና ቪኦኤ
    ተወልደ ወልደገብረኤል

ዒን ዛራ ሊብያ ጥቅምቲ 12, 2021.

ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት ዓቐኑ ዝሓለፈ ሓይሊ ምጥቃም ኔሩ ብዝብል መርመራ ክግበረሉ ጸዊዑ። ቅድሚ ሓደ ሰሙን ልዕሊ 5 ሺሕ ሰባት ኣብ መዳጎኒ ማእከላት ተጸቓቒጦም ተኣሲሮም ምንባሮም ተሓቢሩ`ሎ።