ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንህልው ኩነታት ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ዝምልከት ቃለ መጠይቕ ምስ ኤርትራዊ ስደተኛ


ስደተኛታት ኣብ ኣፍደገ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ሊብያ
ስደተኛታት ኣብ ኣፍደገ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ሊብያ

ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ካብ በበይኑ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተዋጽኡ ስደተኛታት ኣብ ቅድሚ ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽን ረዲኤት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ሰለማዊ ሰልፊ ክገብሩ ቀንዮም ኣለዉ።

ዝበዝሑ ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብቐንዱ ከኣ ሱዳን፡ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ደቡብ ሱዳንን ሶማልን ካልኦት ምዕራብን ማእከላይን ኣፍሪቃ ኰይኖም፡ ኣብ ሊብያ ንዘጓንፎም ዘሎ ሕማቕ ኣተሓሕዛን መጥቃዕቲን ከም ዝቃወሙ ይሕብሩ። ንሓደ ካብቶም ስደተኛታት ብቴለፎን ኣዘራሪብናዮ ኣለና፡ ንድሕነቱ ስሙ ዓቒብናዮ አለና ።

ንቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ጨንፈር ሊብያ ክንረክብ ደጋጊምና ፈቲንና ኣይሰለጠን።ኣብ ዝቕጽል ግን ተኸታትሊና ሓበሬታ ከንስዕብ ተስፋ ንገብር።

ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ዜና’ውን እቲ ኣብ ሊብያ ዝካየድ ዘሎ ዓመጻት “ምስ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ዝምድብ’ዩ” ክብል ፍሉይ መርማሪ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹዎ ኣሎ። ብመሰረት ጸብጻብ’ቲ ኮሚሽን ኣስታት 10 ሽሕ ዝበጽሑ ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ኣዝዩ ጽንኵር ኵነትን ስእነት መሰረታዊ ቀረባትን ኣብ ኣብያተ፡ማእሰርቲ ሊብያ ከም ዘለዉ የመልክት። ኣደታትን ህጻናት’ውን ብብዝሒ ኣብቲ ኣብያተ ማእሰርቲ ይርከቡ። ብሰንኪ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት’ውን ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትሪፖሊ ዝርከቡ ቤት ጽሕፈቱ ዓጽዩ ምህላዉ ኣመልኪቱ ኣሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::


XS
SM
MD
LG