ሃዋሳ —
ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ዞባ ጎፋ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 14ን 15 ሓምለ 2016 ዘጋጠመ ሓደጋ ምህማም መሬት ስዒቡ ን10 መዓልታት ክካየድ ዝፀንሐ ምድላይ ግዳያት ትማሊ ረቡዕ ምብቅዑ ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ህዝባዊ ርክባት መንግስቲ ሰናይት ሰለሞን ንድምፂ ኣመሪካ ገሊፀን።
ናይ'ቶም ዛጊት ዝተረኽቡ 243 ሰባት ስነ ስርዓት ቀብሪ ዝተፈጸመ ኾይኑ ናይቶም ዝተረፉ ሽዱሽተ ሰባት ግን ክርከብ ከምዘይተኸኣለ ሓቢረን። ዋላ'ኳ መንግስቲ እቲ ክልል ፍተሻ እቶም ዝተረፉ ደው ምባሉ እንተገለፀ ነበርቲ ግን ምድላይ ሬሳ መቅርቦም ከምዝቕጽሉ ይገልጹ። ካብቲ ሓደጋ ዝበፅሖ ከባቢ ኣስታት 5-ሽሕ ነበርቲ ናብ ውሑስ ከባቢ ክወፁ ዝተገብረ ኾይኑ ንግዳያት ድማ ሰብኣዊ ሓገዛት ይበጽሖም ምህላዉ ሰናይት ሰለሞን ወሲኸን ሓቢረን።
ኣብ ሕቡራት ሃገራት ምትሕብባር ሰብኣዊ ጉዳያት(ኦቻ) ንሰበስልጣናት እቲ ኸባቢ ብምጥቃስ ስጋብ 16 ሓምለ 2016ዓ ኣብ ዝነበረ እዋን 257 ሰባት በቲ ሓደጋ ምሟቶም ኣብቲ ዕለት ኣብ ዘውፀኦ ፀብፃብ ብምጥቃስ ብሓፈሻ እዚ ቁፅሪ ናብ 500 ክዓቢ ከምዝክእል ምሕባሩ ዝዝከር እዩ።