ኣብ ኢትዮጵያ ወረዳ ግዜ ጎፋ ክልል ደቡብ ብዝሃረመ ከቢድ ዝናብን ድሕሪኡ ዝሰዓበ ምህማም መሬትን ብውሑዱ 229 ሰባት ምማቶም ኣመሓዳሪ እቲ ወረዳ ንድምጺ ኣመሪካ ኣቐዲሙ ሓቢሩ ኔሩ። ትማሊ ሰኑይ ብዝሒ ምዉታት 55 ተባሂሉ እኳ እንተ ነበረ መስርሕ ድልያን ህይወት ኣድሕንን ኣብ ዝቐጸለሉ እዋን ግን ሎሚ ሰሉስ ብዝሒ ምዉታት 229 ምብጻሑ ኣመሓዳሪ እቲ ወረዳ ኣቶ ዳግማዊ ኣየለ ኣመልኪቱ።
ሰብ-መዚ እቲ ከባቢ ከም ዝገልጹዎ፡ መብዛሕትኦም ዝደሓሩ ግዳያት ነቶም ዝተደብዩ ንምውጻእ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን’ዮም ሞይቶም።
መስርሕ ድልያ ኣብቲ ሓደጋ ተደብዮም ዘለዉ ይቕጽል ኣሎ። ክንደይ ሰባት ተደብዮም ምህላዎም ግን ዛጊት ኣይተሓበረን።
በቲ ዝወረደ ሓደጋ ካብ መንጎ ዝሞቱ፡ ቆልዓ-ሰበይቲ ዝሓወሱ ኣባላት ስድራቤት ከም ዘለዉ’ውን ሓደጋ ምክልኻል እቲ ወረዳ ሓቢሩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ በቲ ሓደጋ ዝተሰምዖ ሓዘን ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ብምጥቃስ፡ መንግስቲ ሰራሕተኛታት ህጹጽ ሓደጋ ናብቲ ቦታ ምልኣኹ ኣመልኪቱ።
ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ካብ ወርሒ ሓምለ ክሳብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም ምህማም ምድሪ ዘኸትሎ ሞትን ሓደጋን ኣዝዩ ዝውቱር ምዃኑ ይፍለጥ።
ቅጥዒ