ሌላ ምስ ሰባሕ ሙክታር፡ ንፕረዝደንት ኦባማ ኣብ ምብጻሕ መስጊድ ባልቲሞር ዘላለየት መንእሰይ

ፕረ. ኦባማ ኣብ ዑደቶም ንሰባሕ ሙክታር ፊርማ እንዳንበሩ ዝተሳእለ

ፕረዝደንት ባራክ ኦባማ ኣብ መስጊድ ባልቲሞር ኣብ ዘካየድዎ ምብጻሕ መደረ ቅድሚ ምጅማሮም ጓል 19 ዓመት መንእሰይ ሰባሕ ሙክታር ነቶም ዕዱማት ኣፋሊጣ፡ ንተኸተልቲ እምነት ምስልምናን መንእሰያትን ድማ መልእኽቲ አመሓላሊፋ ኔራ። ንሰባሕ ሙክታር ብቴሌፎን ዝሓለፈ ዓርቢ ረኺብናያ ኔርና።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናይ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ኣብ ከተማ ቦልትሞር ንዝርከብ መስጊድ፡ ባልትሞር ማሕበረሰብ ሙስሊም ተባሂሉ አብ ዝጽዋዕ ትካል፡ ንኣሜሪካውያን ኣመንቲ ምስልምና በጺሖም። ኣብዚ ዑደቶም ፕረዝደንት ኦባማ ኣብ ዘቕረብዎ መደረ ንዕዱማት ዘፋለጠት 19 ዓመት ዝዕድሜኣ መንእሰይ ሰባሕ ሙክታር፡ ኣብ ሜሪላንድ ዩኒቨርሲቲ ክፍለ-ከተማ ቦልቲሞር፡ ናይ ሕክምና ተመሃሪት እያ። ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ብቴሌፎን አዘራሪብናያ ኔርና።

እዚ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ኣብቲ መስጊድ ዝገበርዎ ዑደት ኣብ እዋን ምምሕዳሮም ንፈለማ ግዜ እዩ። እዚ እንታይ መልእኽቲ የሕልፍ ኢልኪ ትሓስቢ ኢልና ሓቲትናያ። ብተወሳኺ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ብሰንኪ ዝፍጸሙ ዘለው መጥቃዕትታት ግብረ-ሽበራ፡ ኣብ እምነት ምስልምናን ኣመንቱን ጽልኢ ይረእ’ሎ። እዚ ድማ ኣብ ኣሜሪካ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት’ውን ዝረአ ዘሎ እዩ። ንሰባሕ ከምዚ ዓይነት ኩነታት አጋጢምዋ ይፈልጥ እንተኾይኑ ሓቲትናያ ኔርና።

መንእሰይ ኣብ ተግባር ሽበራ ከይጽምበሩን ብጥሩፋት ጉጅለታት ከይምልመሉን ብዙሕ ጻዕርታት ይግበር አሎ። ብኣንጻር'ቲ ዝተፈላለየ ጻዕርታት፡ እዚ ናይ ፕረዚደንት ዑደት እንታይ ናይ መጻኢ ጽልዋ የሕድር ኢላ ከምትሓስብ'ውን አካፊላትና'ላ።ሰባሕ ነዞም ሕቶታት መልሲ ሂባ'ላ ኣብ ካልኦት ጉዳያት ሓሳባ ገሊጻትልና'ላ።

አብ መወዳእታ ሰባሕ ሙክታር ንመንእሰያት መልእኽቲ ክተመሓላልፍ ከላ፡ ብሰንኪ ሓደ ሓደ ሕማቕ ተግባር ዝፍጽሙ ወገናት ኩሉ ክውቀስን ክጽላእን ከምዘይብሉ ገሊጻ፡ ንሕና ኣመንቲ ምስልምና መንእሰያት’ውን ብወገንና ምስ ካልኦት ማሕበረሰባት ተቐራሪብና ብምስራሕ መንነትናን ሃይማኖትናን ክነፋልጥ ዓቢ ሓላፍነት ይጽበየና’ሎ ክትብል መጸዋዕታ አቕሪባ።

ነቲ መልስታታን ምሉእ ትሕዝቶ እቲ ቃለ-መጠይቕን ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ሌላ ምስ ሰባሕ ሙክታር፡ ንፕረዝደንት ኦባማ ኣብ ምብጻሕ መስጊድ ባልቲሞር ዘላለየት መንእሰይ

Your browser doesn’t support HTML5

መደረ ፕረዝደንት ባራክ ኦባማ ኣብ ኣሜሪካ (ባልቲሞር) ኣብ ዝርከብ መስጊድ የካቲት 03, 2016