ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት በራክ ኦባማ ድሕሪ 7 ዓመታት ንፈለማ ጊዜ ኣብ መስጊድ በጺሖም


ፕረዚደንት በራክ ኦባማ
ፕረዚደንት በራክ ኦባማ

ኣብ ልዕሊ ሓደ እምነት ዝፍፀም መጥቃዕቲ፣ ኣብ ልዕሊ ኩሎም ሃይማኖታት ማዕረ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ’ዩ’ ኢሎም ፕረዚደንት በራክ ኦባማ። ንሶም ነዚ ሪኢቶ’ዚ ዝሃቡ፣ ኣብ እዋን ፕረዚደንታዊ ስልጣኖም ንፈለማ ጊዜ ኣብ መስጊድ ቦልቲሞር ኣብ ዝኣተውሉ እዋን'ዩ።

ሚስተር ኦባማ ንማሕበረ-ሰብ እስላም ቦልቲሞር ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ‘ብሕፍሊ ድሕሪ መጥቃዕቲ ፓሪስን ካሊፎርንያን፣ ኣብ ልዕሊ ሙስሊም ኣሜሪካዊያን ክፍጠር ንዝኽእል ፅልኢት ሻቅሎት ሓዲሩኒ’ሎ’ ኢሎም።

ሪፐብሊካዊ ፕረዚደንታዊ ሕፁይ ዶናልድ ትራምፕ፣ ናብ ኣሜሪካ ዝኣትው ሓደሽቲ ሙስሊም ገየሽቲ ንከይኣትው ክኽልከሉ ከምኡውን ዝርዝር ሙስሊማት ክስነድን ፀዊዑ’ዩ። ካልኦት ሪፐብሊካዊያን ሕፁያት ግና ነዚ ሪኢቶ’ዚ ንፂጎምዎ’ለው።

እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ፣ ፕረዚደንት ኦባማ ብዛዕባ ዘስምዕዎ መደረ ሪኢቶ ንክህቡና ዝዓደምናዮም ኣቦ-መንበር ስምረት ኮንግረስ ኣፍሪቃ ዝተባሃለ ዘይመንግስታዊ ትካል ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ኒውዮርክ ዶ/ር መሓመድ ኣልኣሚን-ንሩሕሴን እቶም ፕረዚደንት ’ቅድም ኢሎም ክገብርዎ ነይሩዎም’ ኢሎምና።

please wait

No media source currently available

0:00 0:07:29 0:00

XS
SM
MD
LG