እዚ መግለጺ ነቲ ንልዕሊ ፍርቂ-ዘመን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝጸንሐ ዝሑል ኩናት ኣወጊዱ ንክልቲኣዊ ዝምድና እዘን ሃገራት ዘሕይል’ዩ ይብሉ ሰበ-ስልጣን ዋይት ሃውስ።
ምምዕርራይ ዝምድና ማለት ብዛዕባ እቲ ዘሎ ፍልልያት ብግልጺ ምዝርራብ’ዩ ዝበሉ ፕረዚደንት ኦባማ፡ ነዞም ፍልልያት ኣብ ንዝትየሉ ጊዜ ድማ ኣብቲ ናይ ሓባር መረዳእታ ዘለና ጉዳያት ድማ ምዕባለታት ክህልው ከምዘለዎ ብምእማን’ዩ ኢሎም።
ካብ ጋዜጠኛታት ንዝለዓሉ ሕቶታት መልሲ ምሃብ ዘይለመዱ ፕረዝደንት ካስትሮ ብፍላይ ንሕቶታት ኩባ ክንደይ ዝኾነ ናይ ፖለቲካ እሱራት ኣለዎ ኣብ ዝብል ናይ ሕርቃን ምልክት ምርኣዮም ይግለጽ።
ፕረዝደንት ካስትሮ ነዚ ሕቶ ነቶም ኣለዉ ትብልዎም ናይ ፖለቲካ እሱራት ስም ዝርዝር ሃቡኒ እሞ ክፈትሖም ዝብል መልሲ ዝሃቡ ኮይኖም ‘ ናይ ምንታይ እሱራት ፖለቲካ፡ ኣስማት ሃቡኒ ኣነ ድማ ሎሚ ምሸት ክፈትሖም’የ’ ኢሎም። ኣብ ጉዳይ ሰብአዊ መሰላት ክዛረቡ ምቹእነት ዘይተሰምዖም ፕረዝደንት ካስትሮ ንሰብአዊ መሰላት ምሉእ ብምሉእ ተማልእ ሃገር የላን ክብሉ መሊሶም።
ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
Your browser doesn’t support HTML5
ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ኩባን ዝጸንሐ ናይ መወዳእታ ኣሰር ዝሑል ኩናት ክቐብር'የ ይብሉ ፕረዝ.ኦባማ
Your browser doesn’t support HTML5
ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ኩባን ዝጸንሐ ናይ መወዳእታ ኣሰር ዝሑል ኩናት ክቐብር'የ ይብሉ ፕረዝ.ኦባማ