ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝተአሰሩ ይፈትሑ፡ ዝሞቱ ይኸሓሱ ሰራዊት ካብቲ ክልል ይውጻእ ንዝብሉ ሕቶታት ሚኒስትር ኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ መልሲ ሂቦም። ክልላዊ መንግስቲ ኦሮምያን ተቃዋሚ ፓርቲ መድረኽ'ውን አብዚ ጉዳይ መግለጺ ሂቦም'ለዉ።
ዋሽንግተን —
ኣብ ክልል ኦሮምያ ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ተቃውሞ ዝተላዓሉ ዝተአሰሩ ይፈትሑ፡ ዝሞቱ ይከሐሱ፡ መከላኸሊ ሰራዊት ካብቲ ክልል ይውጽኡ ዝብሉን ካልኦትን ሕቶታት ብዝምልከት ንድምጺ ኣሜሪካ መልሲ ዝሃቡ ሚኒስትር ኮሚሽን ኢትዮጵያ፡ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብጌጋ ግን ኸአ ግቡእ ዝኾነ ሕቶ መሰል ዘቕረቡ ክፍትሑ'ዮም በቲ ጎንጺ ጉድአት ዝወረዶም'ውን ክንክን ክግበረሎም'ዩ ሰራዊት ይውጻእ ንዝብል ሕቶ ግን ዘይግቡእ'ዩ ኢሎም።
ክልላዊ መንግስቲ ኦሮምያ ኸአ ኣብቲ ክልል ሓድነትን ምክእኣልን ክሰፍን ጸዊዑ'ሎ።
ተቃዋሚ ፓርቲ መድረኽ ኸአ ዝሓተትናዮ ሰልፊ ተኸልኺልና፡ ኣባልና ንዝኾነ ፓርቲ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ብምምራሕን ብምትሕብባርን ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝተላዓለ ህውከት ብምኽሳስ ክኸፋፍሉና ይፍትኑ'ለው ክብሉ ንመንግስቲ ብምኽሳስ መረርኦም ኣስሚዖም።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
Your browser doesn’t support HTML5