እንተኾነ ግን ኣብዚ ዜና ዝወጸ ምስሊ ኣጽዋር ኣብ 2004 ዓ.ም ኣብ ኢራቕ ክፍለ- ግዝኣት ፋሉጃ ብመበል 82 ሰራዊት ሓይሊ ኣየር ኣሜሪካ ዝተማረኸ ምዃኑ እቲ ምስሊ’ውን ብፍሉጥ ናይ ኣሜሪካ ናይ ስእሊ ኤጄንሲ ‘ጌቲ ፒክቸርስ’ ዝተሳእለ ምኳኑ ተፈሊጡ።
እዚ ምስሊ መዛረቢ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ኮይኑ’ውን ቀንዩ’ዩ። ነዚ ምስሊ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ዝተጠቕመ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኮምኒኬሽን’ውን ነቲ ዝተፈጠረ ጌጋ ብምእማን ይቕረታ ሓቲቱ’ሎ።
ከምዚ ዓይነት ጌጋ እንታይ የመልክቱ ንዝብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ መምህር ጋዜጠኝነትን ኮምኒኼሽን ዝኾነ ኣቶ ኣቤል ኣዳሙ ከምዚ ዓይነት ጌጋ ከጋጥሙ ዝኽእሉ’ኳ እንተኾኑ ብመጀመርታ ናይ ሓደ መሓውር ዜና ተአማኒነትን ሓበሬታ ንምዕራይ ጊዜ ከምዝወስድ የረድእ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ መምህር ጋዜጠኝነት ኮሚኒኼሽንን ዝነበረ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኣሜሪካ ኦሪገን ዩኒቨርሲቲ ናይ ዶክትሬት ትምህርቱ ዝኸታተል ዘሎ ኣቶ ኣንዳልካቸው ሃይለሚካኤል ድማ ከምዚ ይብል።
‘ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ኮነ ናይ ኢትዮጵያ ብሮድካስትንግ ኮርፐሬሽን ንዝኾነ ሓበሬታ ምሉእ ብምሉእ ተቆጻጺርካ ንምፍናው ካብ ዘለዎ ድልየት ዘጋጥመ ጌጋ’ዩ ኢለ እየ ዝኣምን። ቀዳማይ እቲ ዜና ንባዕሉ ጥርጣረ ዘለዓዕል’ዩ ። ካልኣይ ብናይ መንግስቲ መሓውራት ዜና ዝፍነው ሓበሬታ ደረጃ ተአማንነት ከመይ’ዩ ዝብል ሕቶ’ውን ዘለዓዕል’ዩ። ብሞያ ጋዜጠኝነት ድማ እዚ መሰረታዊ ጌጋ’ዩ። ሓደ ሓበሬታ ከሕልፍ ዝደልይ ኣካል ናይ ውልቂ ኮነ ናይ መንግስቲ ትካል ቅድሚ ሓበሬታ ምትሕልላፉ ሓቅነት እቲ ሓበሬታ ከረጋግጽ ኣለዎ። እቲ ዝቀረበ ናይ ይቅሬታ መልእኽቲ’ውን ግሉጽ ኣይኮነን። እቲ ጌጋ እቲ ምስሊ ድዩ ወይ እቲ ዜና ብንጹር ዝሕብር ኣይኮነን።’
ብናይ ጋዜጠኝነት ናይ ሞያ ስነ-ምግባር ሓደ ሓበሬታ ቅድሚ ናብ ህዝቢ ምፍናዉ ብተደጋጋሚ ክጻረይ ኣለዎ ዝበለ ኣቶ ኣቤል ቪድዮ ኮነ ምስሊ ኣብ ንጥቐመሉ ጊዜ ድማ ምንጭን ዋንነትን ክግለጽ ኣለዎ ይብል።
እዞም ሰብ ሞያ ብተወሳኺ ኣብዚ ዘመን ቴክኖሎጂ ከምዚ ዓይነት ሓበሬታ ንምጽራይ ብቀሊሉ ይኸአል ከምዝነበረ ብምሕባር ከምዚ ዓይነት ጌጋ ድማ እቲ ትካል ዘለዎም ክኢላታት ሰብ ሞያ ኣብ ሕቶ ዘእትው’ዩ ኢሎም። ብተወሳኺ ኣብዚ ሓበሬታ ብቀሊሉ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝዝርገሓሉ ጊዜ ሓቅነት ሓበሬታ ምርግጋጽ ግዴታ’ዩ ክብሉ ርእይቶኦም ሂቦም።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
Your browser doesn’t support HTML5