ንሞያ ጋዜጠኝነት ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ትግራይ ዝተጉዓዘ ጋዜጠኛ ካብ ኩለን ክልላት ዝዓበየ ዕንቅፋት ዘጋጥሞም ኣብ ትግራይ እዩ ክብል ንጋዜጣ ሪፖርተር ዝሰርሕ ጋዜጠኛ የማነ ናግሽ ይገልፅ።
ዋሽንግተን —
ኣብ ቤት ጽሕፈት ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ሓላፊ ኣውራ ከይዲ ስራሕ ምምራሕን ምብቃዕን ሚዲያን ርክብ ህዝብን ዝኾነ ኣቶ ግዛቸው ግርማይ ክፍተት ሰናይ ምሕደራ ኣሎ ኢልና እንተገምጊምና እቲ ሚዲያ ንበይኑ ፅቡቕ ስራሕ ሰሪሑ ኢልካ ምዝራብ ኣይክኣልን ምስ በለ ይኹን እምበር ጋዜጠኝነት ንምስራሕ ኣብዚ ክልል ካብቲ ካልእ ዝኸፍአ እዩ ዝብል ግን ግጉይ መደምደምታ እዩ ይብል።
ኣብቲ ክትዕ ዝተሳተፉ ሓላፊ ሬድዮ ድምፂ ወያነ ትግራይ ኣቶ ኣበበ ኣስገዶምን ወናኒን ማኔጂንግ ኤዲተርን ናይ ውልቂ መፅሄት ‘ውራይና’ ኣቶ ጌታቸው ኣረጋውን እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዝተፈላለየ ሪእይቶታት ሂቦም ኣለው።
ሳልሳይ ክፋል’ቲ ቃለ-መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
Your browser doesn’t support HTML5
ሙያ ጋዜጠኝነት ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ እንታይ ይመስል?(3ይ ኽፋል)