አዲስ አበባ —
ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጂግጂጋ ኣብቲ ንማሕበረሰባት ንምቅርራብ ዝተጀመረ ለውጢ ኣወንታዊ ኣበርክቶ ክገብሩ ፕረዚደንት ክልል መንግስቲ ሶማሊያ ፀዊዖም።
ነቲ ዩኒቨርስቲ ዝበፅሑ ናይ ኣሜሪካ ኣምባሳደር ኣብ ኢትዮጵያ ማይክል ራይነር ብወገኖም በቲ ሓድሽ ራእይ ሓድነትን ለውጥን ኢትዮጵያ ኣሜሪካ ኣዝያ ከምዝተነቓቕሐት ኣፍሊጦም።
ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ኣሜሪካ ኣምባሳደር ማይክል ራይነር ናይ ክልል ሶማልያ ፕረዚደንት አቶ ሙስጠፋ መሓመድ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጂጂጋ ተራኺቦም ንማሕበረሰብ’ቲ ዩኒቨርሲቲ መደረ ዝገበሩ ሎሚ ቅነ ኣብታ ሃገር ኣብ ሓደ ሓደ ዩኒቨርሲቲታት ዝረአ ዘይምርግጋእን ዘጋጥሙ ፍጻሜታትን መሰረት ብምግባር ምኳኑ ገሊጾም።