ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ኣሜሪካ ኣምባሳደር ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ሶማል ዑደት አካይዶም


ናይ ኣሜሪካ ኣምባሳደር ኣብ ኢትዮጵያ ማይክ ሬይነር ኣብ ክልል ሶማል ኢትዮጵያ ሎሚ ዑደት አካይዶም። ኣብቲ ዑደት ምስ ፕረዚደንት’ቲ ክልል ሙስጠፋ መሓመድ ተራኺቦም ኣብ ጉዳይ ጸጥታትን ልምዓትን ምዝርራቦም ተፈሊጡ’ሎ።

አምባሳደር ሬይነር ኣብቲ ክልልን ከተማ ጂጂጋ ዝኸደሉ ዕላማ ብዛዕባ ዝተፈጥረ ናይ ሰላምን ጸጥታን ጉዳይ ንምዝርራብን ከምኡ’ውን ኣብቲ ክልል ኣብ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ኢኮኖሚያዊ ትካላት ልምዓት ብዝተሓሓዝ ምስ ፕረዚደንት’ቲ ክልል ንምዝርራብ እዩ።

ኣምባሳደር ሬይነር ድሕሪ ምስ ፕረዚደንት’ቲ ክልል አቶ ሙስጠፋ መሓመድ ምዝርራቦም ናይ ሓባር ጋዜጣዊ ምሃቦምን ተገሊጹ’ሎ።

ኣምባሳደር ሬይነር ኣብ ውሽጢ ክልተ ወርሒ ንካልኣይ ጊዜ ናብቲ ክልል ይበጽሑ ምህላዎም ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG