ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣምባ. ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ንቤት ማእሰርቲ ኦጋዴን በጺሖም


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ሶማሊያ ከተማ ጂግጂጋ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ንዝተፈፀመ ኣዚዩ ዘሰቅቕ እዩ ዝተባህለ ገበን ዜግነት ኣሜሪካ ዘለዎም ኢትዮጵያዊያን ምስታፎም ናይቲ ክልል ፕረዚደንት ወግዓዊ ገይሮም።ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ማይክ ሬይነር ተጠርጠርቲ ናብ ሕጊ ኣብ ምቕራብ ዝክኣሎም ከምዝገብሩ ቃል ኣትዮም።

400 እሱራት ክእሰርሉ ዝተሰርሐ ኣብ ከተማ ጂግጂጋ ዝርከብ ‘’ጄል ኦጋዴን’’ ኣሽሓት እሱራት ይዳጎኑሉ ከምዝነበሩ ይግለፅ።ትማሊ ሶሉስ ነቲ ቤት ማእሰርቲ ዝተዓዘቡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ማይክል ሬይነር ብዛዕባ እቲ ቤት ማእሰርቲ መብርሂ ተዋሂቡዎም ኣሎ።ንኽልተ ሰባት ዘይትኣክል ንእሽተይ ክፍሊ ልዕሊ 10 ሰባት ንመዓልታትን ኣዋርሕን ይእሰርሉ ከምዝነበሩ ተገሊፁ’ሎ።

ኣምባ. ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ንቤት ማእሰርቲ ኦጋዴን በጺሖም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:31 0:00

ናይቲ ክልል ፕረዚደንት ሙስጠፋ መሓመድ ድሕሪ እቲ ዑደት ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብዎ መብርሂ እቶም ኣምባሳደር ብዓይኖም ክሪኡዎ ንምግባር እዩ እቲ ዕላማ ኢሎም።

“ነዚ ገበን ዝፈፀሙ ሰባት ኽትትል ንምግባርን መሰል ደቂ ሰባት ናይ ኩሉ ወይ ሓፈሻዊ ስለዝኾነ ናብ ዝኸዱ እንተኸዱ ከምዘይምልጡ ንምግላፅን እዩ።ዜግነት ኣሜሪካ ዝነበሮም ኣብዚ ገበን ብቐጥታ ተሳተፍቲ ዝነበሩ ተወለድቲ ሶማሌ ነይሮም።ናብ ቱርኪ፣ኬንያ፣ኣሜርካ፣ሽወድንን ካልኦት ሃገራትን ሃዲሞም ስለዘለው ክትትል ገይርና ናብ ሕጊ ንምቕራብን ንሓዋሩ መምሃሪ ንምግባርን እውን እዩ።”

ኣምባሳደር ማይክል ሬይነር ብወገኖም ተጠርጠርቲ ክሕተቱ ኣለዎም ኢሎም።

“እቶም ፕረዚደንት ኣብዚ ምስ ዝተፈፀሙ ገበናት ዝጥርጠሩ ሰባት ኣብ ኣሜሪካ ከምዝርከቡ ነጊሮምኒ ኣለው።ጥርጡራት ናብ ሕጊ ክቐርቡ ንምግባር ክንዲ ዝክኣለኒ ንምትሕብባር ዘለኒ ምሉእ ድልውነት ንዕኦም ይኹን ንሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊፀሎም ኣለኹ።ግዳያት ይፍፀሞም ዝነበረ ስቓይን መከራን ዘካፈሉና ብርቱዕ መንፈሰ ዘለዎም ሰባት ዘለኒ ልባዊ ምስጋና ክገልፅ እደሊ።እዚ ተመክሮ ብዘይካ ናታቶም መንፈስ ክንርድኦ ኣዚዩ ኣፀጋሚ ምኾነ ነይሩ።”

ናይቲ ክልል ፕሬዝዳንት ብተወሳኺ ጄል ኦጋደን ሎሚ ባዶ እዩ።እቲ ቤት ማእሰርቲ ዝተፈላለዩ ናይ መስቀይቲ ክፍልታት ዝሓዘ እዩ።ጄል ኦጋዴን ኣዚዮ ኣሰቀቕቲ ዝኾኑ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝተፈፀመሉ ምናላባሽ እውን ኣብ ሃገርና ጥራሕ ከይኮነስ ኣብ ኣፍሪቃ እውን ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ክፍፀም ኢልካ ዘይእመን ስቓይ ዝተፈፀመሉ እዩ ኢሎም ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣምባ. ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ንቤት ማእሰርቲ ኦጋዴን በጺሖም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:42 0:00

XS
SM
MD
LG