ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ነጻነት መራኸቢ ብዙሃን ኢትዮጵያ ዳግማይ ይፍተን


ኢትዮጵያዊያን ጋዜጠኛታት ነጻ ክወጹ ዝጽውዕ ሰልፊ ኣብ ናይሮቢ -ኬንያ ግንቦት 2006 ዓ.ም.ፈ

ኣብ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሓሙሽተ ወርሒ ነጻ ኢኹም ተባሂሎም ካብ ማእሰርቲ ዝተፈትሑ ብሎገራት ዓቓቢ ሕጊ ይግባኝ ስለዝበለ ሎሚ ቤትፍርዲ ቐሪቦም።

እቶም ብሎገራት ናብ ቤት-ማእሰርቲ ክምለሱ ከምዝኽእሉ ገለ ኻብኣቶም ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም።

ወዲ-29 ዓመት ኣቤል ዋቤላ ምስ ሸሞንተ ካልኦት ብሎገራት ጸሓፍትን ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ንዓመትን ፈረቃን ምጽንሑ ሕጂ'ውን ካብ ሃገር ክንውጽእ ኣይንኽእልን ክንሰርሕ ኣይፍቐደልናን ክንንቐሳቐስ ኣይንኽእልን ብምባል ኣብ ኸቢድ ኩነታት ኸምዘለዉ ይገልጽ።ኣቤል ኣብ ማእሰርቲ ኸሎ ብዘጋጠሞ በደል ጸጋመይቲ እዝኑ ጽቡቕ ከምዘይትሰምዕ ይገልጽ።

እቶም ብሎገራት ( ጸሓፍቲ ዓምዲ ኢንተርነት) ብማሕበራዊ መራኸቢ ተጠቒሞም ኣብታ ሃገር ህውከት ንኽለዓል ጎስጓሶም ብዝብል ክሲ ብመሰረት ጸረ-ሽብር ሕጊ ኢትዮጵያ'ዮም ተከሲሶም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG