ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሕጊ ሸበራ ዝተኸሱ ኢትዮጵያዊያን ጸሓፍቲ ኢንተርኔት ብነፃ ተሰናቢቶም


ፌደራል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ብሽበራ ተኸሲሶም ንዝነበሩ ፀሓፍቲ መርበብ ኢንተርኔት/ብሎገራት/ ብዘይካ ሓደ ንኹሎም ብነፃ ብምስንባት ካብ ማእሰርቲ ንኽፍትሑ ኣዚዙ።

ዓቃቢ ሕጊ ብሓባርን ብውልቅን ፈፂሞምዎም ዝበሎም ገበናት ዝዝርዝሩ ናይ ሰብ፣ናይ ሰነድን ናይ ድምፅን ምእስልን መርትዖታት ናብቲ ቤት ፍርዲ ኣቕሪቡ ነይሩ።እቲ ቤት ፍርዲ ነዚ ምስ ሰምዐ ዓቃቢ ሕጊ ከምቲ ዘቕረቦ ኽሲ ተጠርጠርቲ ፈፂሞምዎ ዝበሎም ተግባራት ገበን ምፍፃሞም ዘረጋግፅ ዝቐረበ መርትዖ የለን ክብል ተኸሰስቲ ምክልኻል ከየድለዮም ብነፃ ክሰናበቱ ብሓደ ድምፂ ወሲኑ’ሎ።

ካብ ጠበቓታት ተኸሰስቲ ሓደ ዝኾኑ ኣቶ ኣምሃ መኮነን እዚ ናይ ሎማዕንቲ ውሳነ ቤት ፍርዲ ኣብ ኣጠቓቕማ ሓሳብካ ብነፃ ምግላፅ ንሓዋሩ ንዝለዓሉ ሽግራት ፅቡቕ ኣብነት ክኸውን ይእኽል እዩ ይብሉ።

በፈቃዱ ሃይሉ ዝተብሃለ ተኸሳሲ ግን ካብ ፀረ-ሽብር ኣዋጅ ወፃኢ ብስሩዕ ናይ ገበን ሕጊ ንኽከላኸል ቤት ፍርዲ ወሲኑ’ሎ።ብዛዕባ እዚ ሪኢቶ ዝሃቡ ኣቶ ኣምሃ መኮነን በፈቃዱ ሃይሉ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ግብፂ ከምዝተርኣየ ህዝባዊ ዓመፅ ዘለዓዕል ፅሑፍ ምውፅኡ ንፖሊስ ሂቡዎ ብዝተብሃለ ናይ እምነት ቃል ጉዳዩ ብስሩዕ ናይ ገበን መቕፅዒ ሕጊ መከላኸሊ ንከቕርብ ኣዚዙ’ሎ ኢሎም።

ጉዳያ ኣብዘየላትሉ ክርአ ዝፀንሐት ሶሊያና ሽመልስ ሓዊሱ ናትናኤል ፈለቀ፣ኣጥናፉ ብርሃኔን ኣቤል ዋበላን ብነፃ ተሰናቢቶም ኣለው።ብነፃ ዝተሰናበቱ ሎማዕንቲ ክፍትሑ ቤት ፍርዲ ኣዚዙ’ሎ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:02:46 0:00

XS
SM
MD
LG