ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጋዜጠኛታትን ብሎገራትን ዞን 9 ምሉእ ንምሉእ ነጻ ኣይወጻእናን ይብሉ


የሲፒጄ የፕሬስ ነፃነት ሎሬቶች እማኝነት ሰጡ
የሲፒጄ የፕሬስ ነፃነት ሎሬቶች እማኝነት ሰጡ

ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ብነጻ እንተአሰናበተና'ውን ኣብ ልዕሌና ዝፍጸም ምንክልባት ቀጺሉ’ሎ ኢሎም ጸሓፍቲ መርበብ ሓበሬታን ጋዜጠኛታትን።ካብ ቦታ ናብ ቦታ ናይ ምንቅስቓስ ሕገ መንግስታዊ መሰሎም ከምዝተደረተን ብኢግዚብትነት ዝተትሓዘ ንብረቶም እውን ዛጊት ከምዘይተመለሰሎምን ይገልፁ።

እቶም ብሎገራትን ጋዜጠኛታትን ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዝዘርግሑዎ መግለጺ ዋላ'ኻ ካብ ማእሰርቲ እንተተፈታሕና ምሉእ ብምሉእ ግን ነጻ ኣይወጻእናን ኢሎም።

ኣብ ልዕሊኦም ይበጽሕ ኣሎ ኢሎም ካብ ዝዘርዘሩዎም ሓደ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘረጋገጸሎም ናይ ምንቅስቓስ መሰል ዝነፈግ ስጉምቲ ይጠቕሱ።ብሎገር ዘልኣለም ክብረት ብዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት ንዞን 9 ዝተዋህበ ሽልማት ንምቕባል ናብ ፈረንሳይ ንምጉዓዝ ካብ ዓለምለኸ መዕረፎ ነፈርቲ ቦሌ ንከይወጽእ ከምዝተኸልከለ እቲ መግለጺ ይሕብር።

'ዝሓለፈ ሰንበት ለይቲ ንምብራር፣ኩሉ ሰነዳት ምስ ኣቕረብኩ ኣብ መዕረፎ ነፈርቲ ዝነበረ ሰብ ፓስፖርተይ ወሲዱ ንክጸንሕ ኣዚዙኒ፤ቀይሕ ወረቐት ሒዙ መጺኡ እቲ ምኽንያት ኣይፈልጥን ግን ካብ ሃገር ክትወጽእ ኣይትኽእልን ኢኻ ኢሉኒ እዩ' ይብል ዘልአለም።

ናብ ኢሚግሬሽንን ጉዳያት ዜግነትን ከይዱ ምስጠርዐ እነጻርዮ ነገር ስለዘሎ ክሳብ ንድውለልካ ከይትመጽእ ከምዝበሉዎም ሓቢሩ’ሎ።ናይቶም ብሎገራት ጠብቓ ኣቶ ኣምሃ መኮነን ዝኾነ ይኹን እገዳ ከምዘየለን እንተሃሊዩ ድማ ምስ ሕገመንግስቲ ዝራጸምን እዩ ኢሎም።

ካብ ክፍሊ ኢምግረሽንን ጉዳያት ዜግነትን ርእይቶ ንምርካብ ዝተገብረ ጻዕሪ ግን ኣይሰለጠን።

ምሉእ ትሕዝቶ ንምስማዕ አብዚ ይኸአል።

ጋዜጠኛታትን ብሎገራትን ዞን 9 ምሉእ ንምሉእ ነጻ ኣይወጻእናን ይብሉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:39 0:00

XS
SM
MD
LG