ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ሊብያ ዝርከቡ ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ሰባት እገዳ ከንብር ጸዊዑ


ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ኣብ ሊብያ ኣንቢርዎ ዘሎ እገዳ መሸጣ ኣጽዋር ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ሰባት ናይ ቁጠባን ናይ መገሻ እገዳ ክውስኽ ጻውዒት ኣቕሪቡ። እቲ ትካል ብተወሳኺ ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ነቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ዝኻየድ ምጥሓስ መሰላት ተሓተቲ እዮም ይብል።

ፍሉይ ልዑኽ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ንማእኸላይ ሜዲተራንንያን ቪንሰንት ኮክተል “ምሉእ ዝኾነ መሰረታዊ ስጉምቲ ክውሰድ ይግባእ ኢሎም”።

“ ነቲ ሰፊሕ ዝርጋሓ ዘለው ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝተመስረት ቁጠባ ከነዕንዎ ይግባእ።ብዙሕ ቁጽሪ ዘለወን ሃገራት ካብ ሊብያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝወጸ ነዳዲ ይገዝኣ፡ እዚ ድማ ካብቲ ንዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ዝህልው ማሕበረሰብ ምዃኑ እዩ። ኣብ ምርቋሕን ምቅላዕን ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ፡ ናይ ንብረትን ናይ መገሻን እገዳ ንምግባር ብዙሕ ክንሰርሕ ይግባእ።”

ብመሰረት ሎሚ ሶኑይ ዝወጸ ሓድሽ መጽናዕቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ንብዙሓት ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ኣብታ ሃገር ዘሎ ዓመጽን ምዝመዛን ነቲ ሓደገኛ ጉዕዞ ምቁራጽ ማእከላይ ባሕሪ ከካይዱ ከምዝደፋፍኦም ይሕብር።

እቲ ትካል ብተወሳኺ ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ 84,830 ሰባት ማእከላይ ባሕሪ ብምቁራጽ ጣልያን ምእታዎም እዚ ድማ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር ኸሎ ብ18 ሚእታዊት ከምዝወሰኸ፡ ክሳብ ሕጂ ብዝተፈልጠ ድማ 2,070 ሰባት ኣብቲ ጉዕዞ ምሟቶም ይገልጽ።

ብመሰረት ካብ ነሓሰ 2016 ዓ.ም ክሳብ መጋቢት 2017 ዓ.ም ዝተኻየደ መጽናዕቲ መብዛሕትኦም ካብቶም ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ካብ ሊብያ ዝብገሱ ደቂ ተባዕትዮ ምኳኖም ፡ ካብ ምዕራብን ማእከላይ ኣፍሪቃን ዝብገሳ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ቀንዲ ግዳያት ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ምኳኖም ይገልጽ።

ቁጽሪ እቶም በዚ መንገዲ ማእከላይ ባሕሪ ዘቋርጹ አላይ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ይውስኽ ከምዘሎን መብዛሕትኦም ድማ ካብ ሃገራት ኤርትራ፡ጋምብያን ናይጀርያን ምኳኖም እቲ መጽናዕቲ ይሕብር።

መብዛሕትኦም ሊብያ ዝኣትው ናይ ቁጠባ ስደተኛታት ምኳኖም እንተተፈልጠ’ኳ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ናብ ሃገሮም እንተተመሊሶም ክገጥሞም ዝኽእል ጸገም’ውን ኣፍልጦ ይህቡ እዮም።

እዚኣቶም ካብ ሶርያ፡ ካብ ገለ ግዝኣታት ፍልስጤም፡ ኤርትራ፡ ዞባታት ዳርፉር-ሱዳን፡ ካብ ክልል ኦሮምያ ኢትዮጵያ፡ ሶማልን ዒራቕን ዝመጹ እዮም።

ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ብወገኑ 70 ሚእታዊት ካብቶም ሊብያ ዝኣትው ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ኣብታ ሃገር ክጸንሖ ሓሊኖም ከምዝመጹ እቶም ዝተረፉ 30 ሚእትዊት ግን ንሊብያ ከምመሰጋገሪ ከምዝጥቐምሉ ይገልጽ።

ማርያ ሲሲሊ ዳርመ ነቲ መጽናዕቲ ካብ ዘካየዱ ሓንቲ ኮይነን ካብቶም ቃለ መጠይቕ ዘካየዱሎም 140 ሰባት 55 ሚእታዊት ኣብ ሊብያ ንምጽናሕ ሓሊኖም ከምዝመጹ ምግላጾም ብምሕባር እንተኾነ እዚ ግን ንዝተወሰኑ ዜጋታት ጥራይ ከምዝምልከት ሓቢረን።

ፍሉይ ልዑኽ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ንማእኸላይ ሜዲተራንንያን ቪንሰንት ኮክተል ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝተዘርገሓ ምዃኑ ብምግላጽ ስለዝኾነ ድማ ኣብ ትሕቲ ናይ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣውሮጳ ናይ እገዳ ኮሚተ ክረአ ከምዝግባእ ይገልጹ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG