ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕጹያት ፕረዝደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ወፍሪ ጎስጓስ የሐይሉ


ፋይል
ፋይል

ፕሬዝዳንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ክካየድ ሒደት መዓልታት ኣብዝተረፈሉ ኣብዚ ናይ መወዳእታ ሰሙን ሂላሪ ክሊንተንን ዶናልድ ትራምፕን ዝለዓለ ንሕንሕ ኣብ ዝካየደለን ቁልፊ ክፍለ ግዝኣታት ናይ ምረጹኒ ወፍሮም አሐይሎም ኣለው።

ብደረጃ ሃገር ይመርፁ እዮም ካብ ዝተባህሉ ኣድመፅቲ ቁርብ ፀብለልታ ዘለወን ሂላሪ ክሊንተን ሎሚ ዓርቢ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ፔንስሊቫኒያ ኣብ ዘኻየድዎ ዘመተ ምርጫ ዶናልድ ትራምፕ ሰባት ናይ ምፅራፍ ታሪኾም ኣብዚ ፕረዝዳንታዊ ወፍሪ ኣይጀምረን ክብላ ነቒፈንኦም።ኣብ ሚቺጋንን ኦሃዮን እውን ክበፅሓ እየን።

ብተመሳሳሊ ዶናልድ ትራምፕ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ኽፍለ ግዝኣታት ኒውሃምሸር፣ኦሃዮን ፔንስሊቫኒያን ወፍሪ ምርጫ ከካይዱ እዮም።

ብመሰረት ሓድሽ ዝተኣከበ ኣሃዛዊ መዓቐኒ ርእይቶ ህዝቢ ብዙሓት ኣድመፅቲ ብጎስጓስ ምርጫ ኽልቲኦም ፕረዝዳንታዊ ሕፁያት ከምዘይተሓጎሱ ይገልጹ። እንተኾነ ግን ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ወሃብቲ ድምጺ ካብ ምምራፅ ኣይተዓግቱን።

ዛጊት ልዕሊ 36.5 ሚሊዮን ኣሜሪካዊያን ኣቐዲሞም ድምፆም ሂቦም ኣለው።እዞም ድምፆም ሂቦም ዘለው ሓደ ግዜ ዝወሰኑን ዝኾነ ይኹን ተኣምር እንተተፈጠረ’ዃ መርገፂኦም ዘይልውጡ፤ካብ ክልቲኡ ንሓዲኡ ንምምምራፅ ውፉያት ዝኾኑ ኣድመፅቲ እዮም ይብሉ ዴሞክራሲያዊ ፖለቲካዊ ስትራተጂስት ፔኒ ሊ።

ኣብዚ ናይ መወዳእታ ጎስጓስ ምርጫ ክልቲኦም ተወዳደርትን ደገፍቶምን ዝተፈላለዩ ሜላታትን ማሕበራዊ መራኸቢ ተጠቒሞም ወፍሮም ኣሐይሎም ኣለው።

XS
SM
MD
LG