ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተወዳደርቲ ፕረዝደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ንሓድሕዶም ኣብ ጉዳይ ብቑዕነት ንመሪሕነት ይካሰሱ


ፕሬዝዳንታዊ ምርጫ ዩናይትድ ስቴትስ ክኻይድ መዓልታት ኣብ ዝተረፈሉ ኣብዚ ሕጂ እዋን ሪፓብሊካዊ ሕጹይ ዶናልድ ትራምፕን ሕጽይቲ ዲሞክራት ሂላሪ ክሊንተንን ኣብዚ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ፕሬዝዳንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ንሓድሕዶም ንመዝነት ፕሬዝዳንትነት ብቑዕ ኣይኾነን/ትን ክብሉ ይኻሰሱ ኣለው።

ዶናልድ ትራምፕ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ፍሎሪዳ ጎስጓስ ምረጹኒ ኣብ ዘኻይድሉ ዝነበረ ሚስ ሂላሪ እንተድኣ ተመሪፀን ‘’ሕገ መንግስታዊ ቅልውላው ክፍጠር እዩ’’ ኢሎም፡ ብተወሳኺ ሂላሪ ክሊንተን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ዝነበራሉ እዋን ንሃገራዊ ፀጥታ እዛ ሃገር ኣገደስቲ ዝኾኑ ምስጢራት ዝሓዛሉ ኣገባብ ምርመራ ክግበረለን እዩ ኢሎም።

ሂላሪ ክሊንተን ብወገነን ኣብ ፍሎሪዳ ኣብዘካየድኦ ወፍሪ ትራምፕ ንዓመታት ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ዝተዛረቡዎ ብምጥቓስ መጥቓዕተን ኣሐይለን ኣለዋ። ’”ዶናልድ ትራምፕ ኣብቶም ዝሓለፉ 30 ዓመታት ንደቂ ኣንስትዮ ብምፅራፍ፣ብምውራድን ብምጥቓዕን ብዙሕ ግዚኦም ዘሕለፉ’’ ኢለንኦም ኣለዋ።

ዶናልድ ትራምፕ ሂላሪ ክሊንተንን ንሰሙናት ሒዘንኦ ዝፀንሓ ፀብለልታ የፅብቡዎ ከምዘለው ዝተኣከበ ሃገራዊ ፖለቲካዊ መፅናዕቲ ይሕብር።

ውፅኢት ፕሬዝዳንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ዝበዝሓ ናይ ህዝቢ ድምፂ ብዝረኸበ ዘይኾነ ካብተን 50 ክፍለ ግዝኣታትን ዋና ከተማ ዋሽንግተን ዲሲን ብዝርከብ ውፅኢት ድምጺ ተወከልቲ ህዝቢ እዩ።ካብዚ 538 ድምጺ ተወኸልት ህዝቢ 270 ዝረኸበ ድማ ዝቕጽል ፕሬዝዳንት ኣሜሪካ ኮይኑ ይምረፅ። ብዝሒ ተወኸልቲ ህዝቢ ብብዝሒ ህዝቢ ክፍለ ግዝኣታት ይውሰን።

XS
SM
MD
LG