ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጸለምቲ ኣሜሪካዊያን ንሂለርይ ክልንትን ዘርእይዎ ዘሎ ደገፍ ኣሻቃሊ’ዩ ኢሎም ፕረዚደንት በራክ ኦባማ


ፕረዚደንት ኦባማ ኣብ ወፍሪ ምርጫ
ፕረዚደንት ኦባማ ኣብ ወፍሪ ምርጫ

ብክፋሉ ሳላ ጸለምቲ ኣሜሪካዊያን ዓብላሊ ድጋፍ ረኺቦም ክልተ ጊዜ ዝተዓወቱ ፕረዚደንት በራክ ኦባማ፣ ደረጃ ጸለምቲ ኣሜሪካዊያን ንሂለርይ ክልንትን ዝህቡወን ዘለው ድጋፍ ኣተሓሳሲብዎም’ሎ።

ቅድመ መዓልቲ ምርጫ ተሳትፎ ጸለምቲ ኣሜሪካዊያን ምስ’ቲ ናይ ቅድሚ 4 ዓመታት ክነጻጸር ከሎ ኣዝዩ ኣንቆልቒሉ’ሎ።

ክልቲኦም ሕጹያት፣ ኣድገ በቅሊ ኣብ ዝኾኑለን ክፍላተ ሃገራት ንኣብነት ኣብ ሳውዝ ካሮላይና፣ ዶናልድ ትራምፕ ጸብለልታ ይረኽቡ ኣለው።

ኣብ’ታ ዝተጠቅሰት ክፍለ ሃገር ካብ’ቲ ኣብ 2012 ዝተዋሃበ ድምጺ ጸለምቲ ብ 111 ሽሕ ነክዩ ኣሎ።

ብዘይካ’ዚ ይብሉ ፕረዚደንት በራክ ኦባማ ‘ዶናልድ ትራምፕ እንተሲዒሮም፣ ምምሕዳሮም ክሳብ ሎሚ ዘመዝገቦ ኣዎንታታት ከምዘይነበረ ክኽውን’ዩ’።

XS
SM
MD
LG