ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣቐዲሙ ሰላማዊ ካብ ዝተባህለ ኣከባቢታት ደቡብ ሱዳን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ይስደዱ ኣለዉ


ፋይል- ካብ መነባብሮኦም ዝተመዛበሉ ሰባት ኣብ ማእከል ሕ/ሃ ኣብ ጁባ ደቡብ ሱዳን - ጥሪ 19, 2016 ዓ.ም.ፈ

ኣቀዲሙ ሰላማዊ ዝተባህለ ከባቢታት ደቡብ ሱዳን ብዘጋጥም ዘሎ ሓድሽ ግጭታትን ሕጽረት መግብን ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ደቡብ ሱዳናዊያን ናብ ጎረቤት ሃገራት ንኽስደዱ ተገዲዶም ክብል ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ ሓቢሩ።

ኣብ ታሕሳስ 2013 ዓ.ም.ፈ ኩናት ሓድ-ሕድ ኣብታ ሃገር ካብ ዝለዓል ጀሚሩ ኣስታት 2.3 ሚሊዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ምፍንቓሎምን ካልኦት ልዕሊ 670,000 ናብ ጎረቤት ሃገራት ምስዳዶም ተፈሊጡ’ሎ።

ናይ ሕ/ሃ ትካል ስደተኛታት ከም ዝበሎ ኣብቲ ኣቐዲሙ ሰላማዊ'ዮ ዝተባህሉ ቦታታት ሰሜናዊ ባሕር ኢል ጋዛልን ክፍለ-ግዝኣታት ዋራፕ ብዝተላዓለ ግጭት ቁጽሪ’ቶም ናብ ጎረቤት ሃገራት ዝስደዱ ዘለው ይውስኽ ከምዘሎ የጠንቕቕ።

ብመሰረት ጸብጻብ ትካል ስደተኛታት ካብ ወርሒ ጥሪ ,2016 ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ ኣስታት 52,000 ደቡብ ሱዳናዊያን ምስዳዶም እዚ ድማ ልዕሊ’ቲ ዝተገመተ ምኳኑ ይገልጽ።

ወሃቢት ቃል ትካል ስደተኛታት ኣርያን ሩመሪ እዚ ምውሳኽ ቁጽሪ ስደተኛታት ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ብዝተመዝገበ ቁጽሪ ስደተኛታት ኮይኑ ንኣብነት ኣብ ኡጋንዳ ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ኣስታት 800 ደቡብ ሱዳናዊያን በብመዓልቱ ናብታ ሃገር ይኣትው ኢለን።

ደቡብ ሱዳን
ደቡብ ሱዳን

ንሰን በተወሳኺ ክሳብ ሕጂ 28,000 ደቡብ ሱዳናዊያን ስደተኛታት ኣብ ኡጋንዳ ከምዘለዉ ካብዚኦም 86 ሚእታዊት ድማ ደቂ-ኣንስትዮን ህጻናትን ምኳኖም ይገልጻ። ሓደ ካብቲ እዞም ስደተኛታት ዝተዓቑብሉ ማጂ ሳልሳይ ብምባል ዝፍለጥ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኡጋንዳ ዝርኸብ ቦታ ልዕሊ ዓቀን ከምዝኾነ ብዘይካ እቲ መሰረታዊ ናይ ሂወት ኣድሕን ኣገልግሎት ካልእ ተወሳኺ ሓገዝ ክህብ ከምዘይክእል’ውን የረድኣ።

ኢትዮጵያ ልዕሊ እተን ካልኦት ሃገራት 285,000 ደቡብ ሱዳናዊያን ስደተኛታት ዝተቐበለት ክትከውን ኸላ ኣብ ቀረባ እዋን ብዝሒ ቁጽሪ ዘለዎም ስደተኛታት ዶብ ብምስጋር ናብ ኢትዮጵያ ምእታዎም ዝገለጻ ወሃቢት ቃል ትካል ስደተኛታት ካብቶም ኣብዚ እዋን’ዚ ዝስደዱ ዘለዉ ደቡብ ሱዳናዊያን ዝበዝሑ ህጻናት ምኳነን ሓቢረን ኣለዋ።

‘መብዛሕትኦም ኣብዚ እዋን’ዚ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተው ዘለው ደቡብ ሱዳን ስደተኛታት ኣላይ ዘይብሎምን ካብ ወለዶም ዝተፈለዩ ህጻናት ኮይኖም ኣብ ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር ብዝተላዕላ ግጭት ዓሌታት ምክንያት ዝስደዱ ዘለዎ ኮይኖም ንነዊሕ መዓልታት ጫካታት ብምቁራጽ ኣብ ኦኩንጎ ይበጽሑ።’’

ጸብጻብ ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ ብተመሳሳሊ ኣብ ዝሓለፈ ቁሩብ ኣዋርሕ ናብ ዲሞክራቲክ ረፖብሊክ ኮንጎ ዝኣተው ቁጽሪ ስደተኛታት ደቡብ ሱዳን ምውሳኹ ምዕዛቡ ብምግላጽ እቲ ቁጽሪ 12,000 ከምዝኾነ ይሕብር።

ሰሜናዊ ምብራቕ ኬንያን ማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፍሪቃን ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ዝኣተው ደቡብ ሱዳናዊያን ከምዘለዉ ይገልጹ። ኣብ ኬንያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥራይ እቲ ገምጋም ቁጽሪ ካብ 100 ናብ 350 ክብ ከምዝበለ ተሓቢሩ’ሎ።

እቶም ስደተኛታት ብወገኖም ብሰንኪ ደሕንነት ዘይምህላው፡ ከቢድ ደርቂን ልዑል ናህሪ ዋጋታት ይስደዱ ከምዘለዉ ይገልጹ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG