ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ኣብ ደቡብ ሱዳን መቕተልቲ:ጾታዊ ዓመጽን ምስዋር ሰባትን መዓልታዊ ፍጻመ ኮይኑ ይቕጽል’ሎ' ጉጅለታት ተሓለቕቲ ሰብአዊ መሰላት


ሊር ታውን- ደቡብ ሱዳን ተፈናቐልቲ ሓገዝ እንዳተጸበዩ
ሊር ታውን- ደቡብ ሱዳን ተፈናቐልቲ ሓገዝ እንዳተጸበዩ

ብመሰረት ጸብጻባት ሕቡራት መንግስታት፣ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂማን ራይትስ ዎችን ሰላማዊ መስርሕ ደቡብ ሱዳን እንተድኣ ፈሺሉ እገዳታትን ተኮር ስጉምትታትን ተጽዕኖ ከሕድሩ ይኽእሉ እዮም ክብሉ እዞም ተሓለቕቲ ጉጅለታት ይዛረቡ።

ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ሰባት መዳርግቲ ዘይብሎም ስልታዊ መግስሃስትታት ምፍጻሞም ሕቡራት መንግስታት ይገልጽ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝተበሃለ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሓይልታት መንግስቲ ኣብ ክፍለ-ግዝኣት ዩኒቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ን60 ሰብኡትን ኣወዳትን መተንፈሲ ኣስኢኖም ከምዝቐተሉዎም መርትዖ ኣለኒ ይብል።ሂማን ራይትስ ዎች ዝተበሃለ ካልእ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ብወገኑ ኣብ ዞባ ምዕራባዊ ኢኳተሪያል ዘስካሕክሕ መግሃስቲ ምፍጻሙ መርትዖ ኣለኒ ኢሉ’ሎ።

ኢያን ሽዋብ ዳይረክተር ‘ኢናፍ ፕሮጀክት’ ብዝብል ናይ ዝጽዋዕ ኣብ ዋሽንግተን ዲስ ዝመደብሩ ናይ ኣፍሪካ ተሓላቒ ሰብአዊ መሰላት ጉጅለ እዮም።

ንሶም ብዛዕባ'ዚ ኩነታት ከምዚ ኢሎም።

‘ንሪኦ ዘለና ጃምላዊ መግሃስትታት ሰብኣዊ መሰላት፣ ስርቂ ገንዘብን ተፈጥሮኣዊ ጸጋታትን እዩ።እዚ ክኸውን ከሎ ግን ሰባት ብዝፈጸምዎም ዘስካሕክሑ ገበናት ፈጺሞም ኣይሕተቱን።’

ፕሬዝዳንር ሳልቫኪርን መራሒ ተቓዋሚ ሪያክ ማቻርን ኣብ ሕዳር መሰጋገሪ መንግስቲ ክጣየስ ዝሓለፈ ነሓሰ 2015 ዓ.ም.ፈ ተሰማሚዖም እንተነበሩ’ዃ ጁባ ካብ ወታደር ነጻ ኣብ ምግባርን ኣብ ካልኦት ጉዳያትን ሕጂ’ውን ኣይተሰማምዑን።

ደቡብ ሱዳን ቅድም ኢሉ ናይ ኣጽዋር ማዕቐብ ተነቢሩላ ኔሩ ይብሉ ኣብ ሂማን ራይትስ ዎች ላዕለዋይ ክኢላ ጉዳይ ኣፍሪካ ጀሃኔ ሄነሪ።

ይኹን እምበር መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ምስ ሃገራት እናተራኸበ ብዘይገደብ ከቢድን ቀሊልን ኣጽዋር ከምኡ'ውን ናይ ውግእ ሄልኮፕተራት ካብ ዩክሬይን ገዚኡ እዩ።ብሪጣንያን ፈረንሳይን ነቲ ማዕቐብ እንተደገፍኦ'ዃ ኣሜሪካ ግን እቲ ማዕቐብ ነቶም ዓመጽቲ ዝጠቅም እዩ ክትብል ተኸራኺራ ኔራ።ሩሲያ፡ቻይናን ኣንጎላን እውን ነቲ ማዕቐብ ምቕዋመን ይዝከር።

እቲ አብ ደቡብ ሱዳን ሰላም ክሰፍን ተስፋ ተገይርሉ ዝነበረ ስምምዕ ድሕሪ ሸውዓተ ኣዋርሕ ኣብ ሕቶ ምልክት ተዓዘብቲ ይኣትው ኣሎ። እዞም ተዓዘብቲ ብተወሳኺ ስቓይ ደቡብ ሱዳን ከብቅዕ እንተኾይኑ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ሓደሽቲ ስጉምትታት ክወስድ እዋኑ በጺሑ’ሎ ይብሉ ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG