ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ደቡብ ሱዳን ብዘጋጠመ ጥምየት ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ደቡብ ሱዳናዊያን ናብ ሱዳን ይስደዱ ኣለው - ሕ/ሃ


ፋይል- ኣብ ጁባ ዝርከብ ማእከል ሕ/ሃ - ጥሪ 19,2016
ፋይል- ኣብ ጁባ ዝርከብ ማእከል ሕ/ሃ - ጥሪ 19,2016

ኣብ ደቡብ ሱዳን ብዘጋጠመ ጥምየትን ቀጻሊ ግጭትን ብኣሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ደቡብ ሱዳናዊያን ንዝሓሸ መግብን ውሕስነትን ናብ ሱዳን ይስደዱ ኣለዉ ይብል ጸብጻብ ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ።

ብመሰረት ጸብጻብ ሕ/ሃ ኣብ ታሕሳስ 2013 ዓ.ም.ፈ ኩናት ሓድ-ሕድ ኣብታ ሃገር ድሕሪ ምብርዑ 2.3 ሚሊዮን ዝኾኑ ደቡብ ሱዳናዊያን ቤት ንብረቶም ገዲፎም ክስደዱ ምግዳዶም ይገልጽ። እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ሰለስተ ርብዒ ካብኦም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ምስዳዶም ይገልጽ።

ግጭትን ጎነጽ ቀንዲ ምክንያት’ቲ ስደት እንተኾነ እኳ ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ካልእ ተወሳኺ ምክንያት ምፍጣሩ ዝገለጸ ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ እዚ ድማ ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ሕጽረት መግቢ ምዃኑ’ውን ብተወሳኺ የረድእ። እቲ ሕጽረት መግቢ ብሰንኪ ቀጻሊ ግጭትን በብግዚኡ ዘንቆልቁል ናይ ቁጠባ ኩነታት ምኳኑ ብምሕባር እዚ ድማ ነቲ ናብ ጎረቤት ሱዳን ዝስደዱ ሰባት ቁጽሪ ክውስኽ ምክንያት ከምዝኾነ’ውን ይገልጽ።

ወሃቢ ቃል ትካል ስደተኛታት ኣብ ሕ/ሃ ኣንድያ ኤድዋርድስ እቲ ኩነታት ብፍላይ ኣብ ክፍለ-ግዝኣታት ሰሜናዊ ምዕራብ፡ ሰሜናዊ ባህር ኢል ጋዛዊን ዋራፕ ዝኸፍአ ምኳኑ ይገልጹ። ንሶም ብተወሳኺ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ጥራይ ኣስታት 38,000 ሰባት ካብ ምብራቕን ደቡብን ዳርፉር ናብ ሱዳን ምስዳዶም ይገልጹ።

ኩነታት እቶም ሱዳን ዝበጽሑ ሰባት’ውን ምስቲ ዝወስድዎ ሓደገኛ መንገዲ ዝኸፍአ ምኳኑ ዝገለጹ ወሃቢ ቃል ትካል ስደተኛታት እቲ ዋሕዚ ስደተኛታት ደቡብ ሱዳን ምስ ዘንቆልቁል ዘሎ ኩነታት መግቢ ኣብታ ሃገር ክገድድ ከምዝኽእል ይገልጹ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።

XS
SM
MD
LG