ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራዊያን ተጻወቲ ሕርይቲ ጋንታ ነበር ኣብ ሕጋዊ መስርሕ ቦትስዋና ኣትዮም ተባሂሉ


ተጻወቲ ሕርይቲ ጋንታ ኤርትራ
ተጻወቲ ሕርይቲ ጋንታ ኤርትራ

ዓሰርቲኦም ኤርትራዊያን ስፖርተኛታት ኣብ ቦትስዋና ንዝህልዎም ደረጃ ስደተኛ ዝውሰን፣ ብመሰረት ሕጊ ቦትስዋናን ዓለም-ለኻዊ ውዕላትን ምኻኑ ዋና ጸሓፊ ምክልኻል፣ ፍትሒን ጸጥታን ቦትስዋና ገሊጹ።

እቶም ስፖርተኛታት ድሕሪ’ቲ ግጥም ናብ ሆቴሎም ከይዶም፣ካብ ሆቴሎም ተሰዊሮም። ከምዝጠፍኡ ምስ ተገለፀ ፖሊስ ኣብ ዳህሳስ ኣትዩ። ኣብ ሓደ ስፍራ ረኺብዎም። ክሕተቱ ከለው ናብ ኤርትራ ክምለሱ ከምዘይደልዩን ፖለቲካዊ ዕቁባ ከምዝሓቱን ገሊፆም’ዮም።

‘ዕፃኦም እዚ’ዩ ኢለ ክዛረብ ኣይክእልን። ዕቑባ ሓቲቶም ኣለው፣ ናብ መስርሕ ኣትዮም ኣለው። ስለዚ ዕቑባ ክፍቀደሎም ወይ ክክልከሉ ይኽእሉ’ዮም። ኣባላት ማሕበረ-ሰብ ዓለም ስለዝኾና ግና ኣሲርና ንዓዶም ክንጥርዞም ኣይንኽእልን። ካልእ መማረፂ ስደተኛነት፣ ኣብ ሳልሳይ ሃገር ንክኣትው ምሕጋዝ’ውን ዘጠቃልል’ዩ’ ኢሉ ሚኒስትር ኣውጊስቲን።

ኣብ ቅድመ መፃረዪ ግጥም ዋንጫ ዓለም 2018 ሩስያ፣ ትሳተፍ ዝነበረት ሕርይቲ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣብ ኣስመራ 2 ብ 0 ኣብ ፍራንሲስታውን ቦትስዋና ድማ 3 ብ 1 ተሳዒራ ካብ’ቲ ውድድር ከምዝተሰናበተት ዝዝከር’ዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

XS
SM
MD
LG