ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓሰርተ ተጻወቲ ሕርይቲ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ አብ ቦስትዋና ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቶም


10 Eritrean football players 2015
10 Eritrean football players 2015

እታ ጋንታ 24 አባላት ዝነበርዋ ክትከውን ከላ 14 አባላታ ሎሚ ናብ ሃገሮም ከም ዝተመልሱ'ውን ተፈሊጡ'ሎ

ዓሰርተ ተጻወቲ ሕርይቲ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፣ካብታ ብጠንቂ ግህሰት ሰብአዊ መሰላት ብሕቡራት ሃገራት ትምርመር ዘላ ሃገሮም ሃዲሞም፣አብ ቦስትዋና ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቶም።

እቶም ስፖርታዊያን ሎሚ ረቡዕ ናብ ሃገሮም ክትበርር አብ ዝተመደበት ነፋሪት ኣይንአትውን ድሕሪ ምባሎም ብፖሊስ ከምዝተአስሩ፣ብምንቅስቃስ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ኤርትራ ዝተቆጽረ ጠበቃ ገሊጹ።

እታ ጋንታ 24 አባላት ሒዛ ነይራ። እቶም 14 አባላታ ሎሚ ናብ ሃገሮም ከምዝተመልሱ'ውን ተፈሊጡ'ሎ።

ብተመሳሳሊ፣ ምስዋር ኤርትራዊያን ስፖርተኛታት ብ2009 አብ ኬንያ፡ ብ2011 አብ ታንዛንያ፡ 2012 ድማ አብ ኡጋንዳ ከምዘጋጠመ ዝዝከር'ዩ።

ብመሰረት ዓመት ዝዘለቀ ሪፖርት ሕቡራት ሃገራት ‘እቶም ስፖርተኛታት ካብ'ቲ ማዕረ ባርነት ዝበሃል ሸቅልን ሰፊሕ መግረፍትን'ዮም ይሃድሙ ዘለዉ' ይብል ሮይተርስ።

ብዘይካ'ዚ ኤርትራ ንዜጋታታ አብ መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ አገልግሎት ተዋፍር፣ ካብ ሃገሮም ክወጹ ንዝፍትኑ ድማ ተኹስካ ምቅታል ዝብል ፖሊሲ ትትግብር ሃገር'ያ’ ይብል ሪፖርት ሕቡራት ሃገራት።

ሚኒስትር ወጻኢ ኤርትራ ግና ነዚ ክሲ መብርሂ ከይሃቡ ነጺጎሞ አለዉ።

XS
SM
MD
LG