ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቦትስዋና ን10 ኤርትራዊያን ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ፖለቲካዊ ዕቑባ ፈቂዳ


ቦትስዋና ንሕቶ ፖለቲካዊ ጽግዕተኝነት ዓሰርተ ኣባላት ሕርይቲ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ከምዝተቐበለት ዝበጽሓና ዜና ገሊጹ።

ጠበቃ’ቶም ስፖርተኛታት ዲክ ብርፍሮድ ‘ቤት ጽሕፈት ፍትሒ፣ ምክልኻልን ድሕነትን ቦትስዋና፣ ንሕቶ’ቶም ኤርትራዊያን ስፖርተኛታት ከምዝተቐበሎ ገሊጹለይ’ሎ’ ኢሉ።

ኣቦ-መንበር ነቶም ስፖርተኛታት ብቀረባ ዝሓገዘ ምንቅስቃስ ዴሞክራሲን ሰብኣዊ መሰላትን ኤርትራ ዶ/ር ኣዳነ ገ/መስቀል ንቪኦኤ አብ ዝሃቦ ርእይቶ ‘እቶም ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ዑቕባ ተፈቂዱሎም ኣሎ።ካብ ዝርከብዎ ሓውሲ ማእሰርቲ ናብ መዕቆቢ ስደተኛታት ክኣትው’ዮም’ ኢሉ’ሎ።

ዓሰርቲኦም ተሰለፍቲ ሕርይቲ ጋንታ ኤርትራ ድሕሪ ምስ ቦትስዋና ዝተካየደ ግጥም ንዋንጫ ዓለም፣ ናብ ሃገርና ኣይንምለስን ከምዝበሉ ዝዝከር’ዩ።

ንሳቶም ብጠንቂ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ትሕቲ ምርመራ ሕ/ሃ ካብ ትርከብ ኤርትራ ዝሃደሙ ዳሕረዎት ስፖርተኛታት’ዮም።

ተመሳሳሊ ምህዳም ኤርትራዊያን ስፖርተኛታት፣ብ2009 ኣብ ኬንያ፣ ብ2011 ኣብ ታንዛንያ፣ ብ2012 ድማ ኣብ ኡጋንዳ ከምዘጋጠመ ዝዝከር’ዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

XS
SM
MD
LG