ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓድሽ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ቃለ-መሓላ ፈጺሙ


ኣብ ኣኬባ ምምስራት ሓባራዊ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ፕረ.ደቡብ ሱዳን ሳልቫኬር(የማን) ምክትሎም ማቻር(ጸጋም) ሰላምታ ይለዋወጡ - ሚያዝያ 29,2016
ኣብ ኣኬባ ምምስራት ሓባራዊ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ፕረ.ደቡብ ሱዳን ሳልቫኬር(የማን) ምክትሎም ማቻር(ጸጋም) ሰላምታ ይለዋወጡ - ሚያዝያ 29,2016

ሓድሽ ናይ ሕብረት መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ዓርቢ ናይ መጀመርያ ወግዓዊ ኣኼብኡ ኣካይዱ። እዚ ሓድሽ ዝተመስረተ መንግስቲ ኣብ እዋን ኩናት ሓድ-ሕድ እታ ሃገር ቀንዲ ተቐናቐንቲ ዝነበሩ ኣካላት ዝሓቖፈ ኾይኑ እታ ሃገር ናብ ሰላም ከተመርሕ እንተኾይኑ እዞም ኣካላት ብሓባር ክሰርሑ ኣለዎም።

ብፕረዝደንት ሳልቫኬር ዝተመርጹ 30 ኣባላት ቤት-ምኽሪ ዓርቢ ቃለ-መሓላ ዝፈጸሙ ኮይኖም 14 ካብኦም ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ሃገሮም ብዝተመልሱ ምክትል ፕረዝደንት’ታ ሃገርን መራሒ ተቃወምቲ ነበር ሪክ ማቻርን ካልኦት ጉጅለታት ፖለቲካ ዝተመርጹ’ዮም።

እዚ ምምስራት ናይ ሓባር መንግስቲ ነቲ ቅድሚ ሾሞንተ ወርሒ ኣብ መንጎ ፕረዝደንት ሳልቫኬርን ምክትሎም ማቻርን ብዓለም-ለኸ ጸቕጢ ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ንምትግባር ዓቢ ስጉምቲ’ዩ። ምክትል ፕረዝደንት’ታ ሃገር ማቻር ንቤት-ምኽሪ ሚኒስትራት’ታ ሃገር እዚ ምምስራት ሓባራዊ መንግስቲ ነታ ኣብታ ሃገር ዘሎ ግጭት፡ ጸገም ኢኮኖሚ ደው ዘብልን ካልእ ጸገማት’ታ ሃገር ዝፈትሕን ኽከውን ኣለዎ ኢሎም።

‘ንዓይ ብድሆታት እዚ ቤት ምኽሪ ንጸጥታ’ታ ሃገር ኣብ ምርግጋእ ይመስለኒ። እዚ ድማ ንናይ ጸጥታ ሚኒስትራት ጥራይ ዘይኮነ ኩላትና ንሰርሓሉ ኽከውን ኣለዎ።’

ፕረዝደንት ሳልቬኬር ብወገኖም ሰባት ኣብ መንጎኦም ዝተፈጠረ ቅርሕንቲ ረሲዖም ናብ ዕርቒ ክመጹ ይግባእ ኢሎም።

‘ ብዘለኒ ውሑድ ፍልጠት ይቕረ ምብህሃል፡ ይቕረ ትበሃሃልን ትርስዖን። እዚ ድማ’ዩ ንዓና ዘድልየና።’

እዚ ስምምዕ ሰላም’ዚ መሰጋጋሪ መንግስቲ ናይ ኢኮኖሚን ወታሃደራዊን ለውጢ ከተአታትው፡ ሃገራዊ ምርጫ ኣብ 30 ኣዋርሕ ከዳልውን ኣብ እዋን እቲ ኩናት ሓድ-ሕድ ዝተፈጸሙ ግፍዕታት ዝረኣየሉ ቤት-ፍርዲ ምምስራትን ዝብል ዘጠቃልል’ዩ።

ብካልእ ወገን ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ንምምስራት እዚ ቤት-ምኽሪ ሚኒስትራት ብፕረዝደንት ሳልቫኬር ድሕሪ ምምስጋን፡ ፕረዝደንት ሳልቫኬን ምክትል ፕረዝደንት ኬርን ኣብቲ ስምምዕ ሰላም ዓቢ ስጉምቲ ዝተግበሩ ምካኖም ናብቲ ኣብቲ ስምምዕ ዝተጠቃለለ ካልእ ነጥብታት ኣብ ምትግባር ክሰጋገሩ ብምልባው ንኩላቶም ወገናት ድማ ግጭት ደው ከብሉ ጸዊዖም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክአል።

ሓድሽ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ቃለ-መሓላ ፈጺሙ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:51 0:00

XS
SM
MD
LG