ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሒ ተቃወምቲ ደቡብ ሱዳን ሪክ ማቻር ቃለ-መሓላ ፈጺሞም


ሶሉስ ናብ ዋና ከተማ ደቡብ ሱዳን ጁባ ዝኣተው መራሒ ተቃወምቲ ደቡብ ሱዳን ሪክ ማቻር ምክትል ፕረዝደንት’ታ ሃገር ኮይኖም ቃለ-መሓላ ፈጺሞም።

እዚ ምምላስ መራሒ ተቃወምቲ ናብ ጁባ ነቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መንጎ መንግስትን ተቃወምትን ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ንምትግባርን ነታ ኣብታ ሃገር ን30 ኣዋርሕ ዝጸንሓ ኩናት ሓድ-ሕድ ደው ንምባል ይሕግዝ’ዩ ዝብል ተስፋ ተነቢሉ’ሎ። ድሕሪ ቃለ-መሓላ ሚስተር ማቻር ፕረዝደንት ሳልቫኬር ናብ መስርሕ ሃገራዊ ሓድነትን ምምስራት መሰጋጋሪ መንግስቲ ከምዝጅመር ብምግላጽ ንምትግባር’ቲ ስምምዕ ሰላም ጸዊዖም።

‘ብርግጽ ሓደ ሓደ ዘይተፈትሑ ጸገማት’ቲ ስምምዕ ከምዘለዎ ንፈልጥ ኢና። እንተኾነ ነዞም ፍልልያት ብሓባር ብምኳን ከምፈትሖም ቃል ክኣትወልኩም እፈትው።’

ንሶም ብተወሳኺ ንደቡብ ሱዳን ናብ ሰላምን ብልጽግናን ንምምላስ እቲ ምርጫ እዚ ጥራይ ምኳኑ ይገልጹ።ሚስተር ማቻር ብወገኖም ምስ ፕረዝደንት ቫልቫኬር ከምዝተሓባበሩ ርእይቶኦም ሂቦም’ለው።

ቅድሚ ሕጂ’ውን ሚስተር ማቻር ምክትል ፕረዝደንት ሳልቫኬር ከምዝነበሩ እንተኾነ ንምብራር ሚስተር ማቻር ኣብ ሓምለ 2013 ዓ.ም.ፈ ተኸቲሉ ኣብ ታሕሳስ 2013 ዓ.ም ኣብታ ሃገር ብዝተላዓለ ኩናት ሓድ-ሕድ ብኣሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝሞቱን ካልኦት ልዕሊ 2 ሚሊዮን ዝኾኑ ድማ ካብ መነባብኦም ምዝንባሎም ይፍለጥ።

ብመሰረት ጸብጻብ ድምጺ ኣሜሪካ ካብቲ ቦታ ድሕሪ ናይ ልዕሊ ሓደ ሰሙን ምድንጓይ ንመራሒ ተቃወምቲ ዝሓዘት ነፋሪት ሶሉስ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ጁባ ምእታዋ ገሊጾም’ለው። እቲ ዝጸንሐ ምድንጓያት ብሰንኪ ኣብ መንጎ ተቃወምትን መንግስቲ ዝጸንሐ ዘይምስምማዕ ኣብ ጉዳይ ኣብ ዋና ከተማ ጁባ ዝወፍር ቁጽሪ ሰራዊትን ኣጽዋር ምኳኑ’ውን ይፍለጥ።

ኣምባሳደር ደቡብ ሱዳን ኣብ ኒውዮርክ ኣምባሳደር ጆሴፍ ማሎክ ዋላ’ኻ ኣብ ምምላስ ማቻር ምድንጓይ እንተነበረ መንግስቲ ግን ኣብ ምሉእ ምትግባር‘ቲ ስምምዕ ሰላም ከምዝሰርሕ ዘሎ ድሕሪ ምግላጽ ምምስራት እቲ ናይ ምስግጋር መንግስቲ ድማ ድሕሪ ኣብታ ሃገር ዘለዎ ወገናት ምዝርራብ ኣብ ሓደ ወይ ክልተ መዓልት ከምዝምስረት ገሊጾም።

ሕ/ሃ ንክልቲኦም ወገናት ኣብ ምምላስ ሚስተር ማቻር ናብ ጁባ ተጽዕኖ ከካይድ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ሶኑይ ወሃቢት ቃል ሕ/ሃ ብቅልጡፍ ክምለሱ ድልየትና’ዩ ምክንያቱ ኣካል ምምላስ ምሉእ ሰላም’ታ ሃገር ብምኳኑ ኢሎም።

ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ሕ/ሃ ሳማንታ ፓወል ብወገነን ከምዚ ኢለን።

‘እቲ ስምምዕ ዝተፈረመ ካብ ኢጋድ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ቤት-ምኽሪ ጸጥታ ሕ/ሃ ዝተካየደ ተጽዕኖ ክኸውን ከሎ ብተወሳኺ ኣብ ዝሓለፈ እዋርሕ ዝነበረ ምትእትታው ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ነቲ ብመንግስቲ ደቡብ ሱዳን ዝተወሰደ ስጉምቲ ምክልካል ሪክ ማቻር ናብ ደቡብ ሱዳን ንምምላስ ምቅዋሞም ንህዝቡ ሱዳን ዝጠቅም ስጉምቲ ክውሰድ ኣክኢልዎ’ዩ። ቤት-ምኽሪ ጸጥታ ሕ/ሃ እውን ብዛዕባ’ዚ ሎሚ ክዘራረብ’ዩ።’

ብተወሳኺ ሶኑይ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ሚስተር ማቻል ምስ 200 ሰራዊት ካብ ጋምቤላ ናብ ጁባ ኣትዮም’ለው። ብተመሳሳሊ ጀነራል ሳይሞን ጋቴዎች ዝሓለፈ ሰሙን ጁባ ክኣትው ትጽቢት ዝተገብረሎም እንተነበረ ነፋሪቶም ጁባ ንምዕራፍ ብመንግስቲ ደቡብ ሱዳን ፍቓድ ስለይተዋህበ ምድንጓዮም ይፍለጥ።

ክልቲኦም ወገናት ዝሓለፈ ዓመት ነሓሰ ስምምዕ ሰላም ምፍራሞም እንተኮነ ትግባረ እቲ ስምምዕ ብምድንጓዩን ግጭት ኣብታ ሃገር ምቅጻሉ ይፍለጥ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

መራሒ ተቃወምቲ ደቡብ ሱዳን ሪክ ማቻር ቃለ-መሓላ ፈጺሞም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:29 0:00

XS
SM
MD
LG