ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደቡብ ሱዳናዊያን መንግስቲ ኣብ ዝምስርትሉ እዋን ዝተፈጥረ ሃዋሁ ዘይምትእምማን


ምክትል ፕረዚደንት ሪያክ መቻርን ፕረ. ሳልቫ ኬርን ኣብ ጁባ
ምክትል ፕረዚደንት ሪያክ መቻርን ፕረ. ሳልቫ ኬርን ኣብ ጁባ

ሪክ መቻር ምክትል ፕረዚደንት ሳልቫ ኬር ዝነበርሉ መንግስታዊ ስርዓት ቅድሚ ኣስታት 3 ዓመታት ብውግእ ሕድ-ሕድ’ዩ ተዓፅዩ።

ቅድሚ ኣስታት ሰለስተ ዓመታት ኣቢሉ፣ ካብ ነገደ ዲንቃ ዝኾኑ ፕረዚደንት ኬር፣ ካብ ነገደ ንዌር ንዝኾኑ ሪያክ መቻር ብዕልዋ መንግስቲ ጠርጢሮም ካብ ስልጣኖም ሰጊጎሞም።

ሪያክ መቻር ንፕረዚደንትነት ክወዳደር’የ ድሕሪ ምባሎም ስዒቡ ኹናት ደቡብ ሱዳን ተወሊዑ።

እንተኾነ ሎሚ መንግስቲን ተቃወምቲን ደቡብ ሱዳን ድሕሪ ዘጋጠሞም ዓለም-ለኸ ድፍኢት’ዮም ተሰማሚዖም'ለው። ኣብ ሕ/ሃ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ሳማንታ ፓወር 'ንሪያክ መቻር ናብ ጁባ ኣብ ምምላስ ዝተፈጠሩን ዘጋጠሙን ሕልኽላኻት፣ መርአያ እቲ ዝዓበየ ምጥርጣራትን ዝፈሰሰ ደምን’ዩ' ኢለን።

ሪያክ መቻር ቅድሚ ትማሊ ሰሉስ ቃለ-መሓላ ኣብ ዝፈፀምሉ እዋን ስዒቦም ዝተዛረቡ ፕረዚደንት ሳልቫ ኬይር፣ መራሕቲ’ታ ሃገር ኢና ፈጢርናዮ ብዝበልዎ ዘሕዝን ሕሉፍ ጊዜ ንህዝቢ ሱዳን ይቅሬታ ሓቲቶም። ብዙሓት ድማ ኣባሃህላ ፕረዚደንት፣ መጀመሪ ሓድሽ ዘበን’ዩ ኢሎም ይገልፅዎ።

ደቡብ ሱዳናዊያን መንግስቲ ኣብ ዝምስርትሉ እዋን ዝተፈጥረ ሃዋሁ ዘይምትእምማን
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:40 0:00

XS
SM
MD
LG