ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ጉ/ወጻኢ ሶማልያ ንነቐፌታ ሚ/ጉ/ወጻኢ ኢትዮጵያ ምላሽ ሂቡ


ኣጽዋር ዝጸዓነት መርከብ ኣብ ወደብ ሞቃዲሾ ኣብ ዝኣተወትሉ - ፋይል
ኣጽዋር ዝጸዓነት መርከብ ኣብ ወደብ ሞቃዲሾ ኣብ ዝኣተወትሉ - ፋይል

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማልያ ኣሕመድ ሞዓሊም ፊቂ፡ መንግስቲ ሶማልያ ካብ ግብጺ ኣጽዋራት ድሕሪ ምቕባሉ፡ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ታየ ኣጽቀስላሰ ንዘስምዖ ነቔፈታ ግብረ-መልሲ ሂቡሉ።

ካብ ኒው-ዮርክ ዝተዛረበ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማልያ ኣብቲ ዝሃቦ ግብረ መልሲ፡ ኢትዮጵያ ነዚ ጸለመ ተቕርቦ ዘላ፡ ነቲ ንሳ ናብ ፑንትላንድ ተካይዶ ናይ ኣጽዋር ምስግጋር ክትሽፍን ኢላ`ያ ኢሉ።

ኢትዮጵያ ኣቐድም ኣቢላ፡ ሶማልያ ኣጽዋራት ካብ ግብጺ ምቕባላ ነቲ ተኣፋፊ ኩነታት ጸጥታ ሶማልያ ዘጋድድን፡ እቲ ኣጽዋራት ኣብ ኢድ ግብረ-ሽበራዊያን ሶማል ከም ዝወድቕ ዝገብርን`ዩ ብምባል ምንቃፋ ይፍለጥ።

ነቲ ነቐፈታ መልሲ ዝሃበ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማልያ ኣተሓሒዙ፡ ኢትዮጵያ ካብቲ ኣብ ሶማልያ ትገብሮ ዘላ ምጥሓስ ልኡላውነት ትኹረት ንምጥዋይ እያ ትፍትን ዘላ ኢሉ።

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልያን ውጥረት ኣብ ዝሓየለሉ እዋን፡ ግብጺ ዝሓለፈ ሰሙን ኣጽዋራት ናብ ሶማልያ ምእታዋ ተይፍለጥ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG