ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ካብ ግብጺ ናብ ሶማል ዝተላእኸ ኣጽዋር ከምዘሻቅላ ሓቢራ


ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ታየ ኣስቀስላሰ
ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ታየ ኣስቀስላሰ

ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ታየ ኣስቀስላሰ ግብፂ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ናብ ሶማል ዝለኣኸቶ ኣፅዋር ብዝምልከት ሻቐለቶም ገሊፆም።

"ብሓይልታት ወፃኢ ዝቐርብ ኣፅዋር ነቲ ተኣፋፊ ኩነታት ፀጥታ ዘጋድድን ኣብ ኢድ ግብረሽበራዊያን ክወድቅ'ውን ተኽእሎ ዘለዎ'ዩ’’ ኢሎም ።

ብመሰረት መንግስታዊ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ነዚ ርእይቶ ዝሃቡ ምስ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊት ህንፀት ሰላምን ፖለቲካዊ ጉዳያትን ሮስመራ ዲካርሎ ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን እዩ።

ሶማል ነዚ ዳሕረዋይ ርእይቶ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዝምልከት ዝሃበቶ ምላሽ ክሳብ ሕጂየለን። እንተኾነ ግን ሚንስተር ምክልኻል ሶማል ዓብዱልቓዲር ሞሓመድ ኑር ምስ ኣዛዚ ሰራዊት ሶማል ጀነራል ኢብራሂም ሸኽ ሙሂያድን ብምዃን እታ ናይ ግብፂ ባንዴራ ተንበልብል ዝነበረት መርከብ ኣብ ወደብ ሞቓድሾ ኣፅዋር እናራገፈት ክዕዘቡ ከለው ዘርኢ ምስሊ ኣቐዲሞም ኣብ ናይ ፌስቡክ ማሕበራዊ ገፆም ምውጽኦም ይፍለጥ።

መንግስቲ ግብፂ እውን ናብ ሶማል ኣፅዋር ምልኣኹ ኣረጋጊፁ ኣሎ። ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ግብፂ ታሚም ኻላፍ ነቲ ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ሞቓድሾ ዝበፅሐ ኣፅዋር ግብፂ ምልኣኻ ኣረጋጊፁ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG