ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ኢትዮጵያ፣ ናብ ግዝኣት ፑንትላንድ ሶማል ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ልኢኻ" ክብል መንግስቲ ሶማል ከሲሱ


ፕረዚደንት ሶማል ኣብ መድረኽ ቻይና ኣፍሪቃ -ፋይል
ፕረዚደንት ሶማል ኣብ መድረኽ ቻይና ኣፍሪቃ -ፋይል

ሎሚ መግለጺ ዝዘርገሐ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሶማል ‘ኢትዮጵያ፣ ኣጽዋራት ብክልተ ናይ ጽዕነት መካይን ኣቢላ ናብ ፑንትላንድ ልኢኻ’ያ’ ይብል። እቲ መግለጺ እቲ ተላኢኹ ዝተባህለ ኣጽዋር መዓስ ከምዝተላኣኸ ኣይነጸረን።

እቲ መግለጺ ወሲኹ ‘እቲ ተግባር፣ ንሉኣላዊነት ሶማል ዝጋሃሰን፣ ንሃገራዊን ዞባዊን ጸጥታ ኣብ ስግኣት ዘእተወን’ውን እዩ’ ይብል።ብተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ከይወሰኸ ኢትዮጵያ፣ ኣጽዋር ብነፋሪት ኣቢላ ናብ ባይዶኣ ከምዘስገረት ጠቂሱ ኣሎ። ካብ ወገን ኢትዮጵያ ዛጊት ዝተዋሃበ ግብረ መልሲ የለን። ድምጺ ኣመሪካ ንሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ከዘራርብ ዝገበሮ ፈተነ’ውን ኣይሰለጠን። ኣብ 26 ሓምለ መግለጺ ዝሃበ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ግና ‘ነቶም ዝቀርቡ መሰረት ዘይብሎም ክሲታት ብምንጻግ፣ ኢትዮጵያ፣ ንሰላምን ህድኣትን ሓው ዝኾነ ህዝቢ ሶማል፣ ንልዕሊ 30 ዓመታት መስዋእቲ ሓዊሳ ሓጊዛ እያ’ ከምዝበለ ዝዝከር እዩ። ብዘይካ’ዚ፣ ዘይሕጋዊ ዝውውር ኣጽዋር ንምግታእ፣ ዞባዊ ምትሕግጋዝ ንክህሉ ኢትዮጵያ ከምዝጸወዐት ዝረኸብናዮ ዜና ሓቢሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG