ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቁጽሪ ሒሳብ ኣብ ትሕቲ ምርመራ ብልሽውና ዝርከቡ ሰበስልጣንን ሰብ ዋኒንን ስዑዲ ዓረብ ከይንቀሳቐስ ትእዛዝ ተመሓላሊፉ


ስዑዲ ዓረብ ብፀረ ብልሽውና ምርመራ ይካይዶም ናይዘለው ሰበስልጣንን ሰብ ዋኒን ናይ ባንኪ ሒሳብ ከይንቀሳቐስ ምእዛዛ ተፈሊጡ።11 ንጉሳዊያን፣ኣርባዕተ ሚኒስትራት፣ዓሰርተታት ሚንስትራት ነበርን ነጋዶን ስዑዲ ዓረብ ትማሊ ሶኑይ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓሎም ይፍለጥ።ብትውልዲ ኢትዮጵያዊ ቢሊዮኒየር ሸኽ መሓመድ ኣላ ሙዲን እውን ሓደ ካብኦም ምኳኑ ተፈሊጡ’ሎ።

ማእኸላይ ባንኪ ስዑዲ ዓረብ ምርመራ ይግበረሎም ናይ ዘለው ሰባት ሒሳብ ባንኪ ከይንቀሳቐስ ምእዛዙ ንመራኸቢ ብዙሃን ሓበሬታ ክንህብ ኣይተኣዘዝናን ክብሉ ክልተ ምንጭታት ገሊፆም።

ናይ ባንኪ ገንዘቦም ከይንቀሳቐስ ዝተገብሩ ኣማኢቲ ናይ ባንኪ ሒሳባት ክኾኑ ከምዝኽእሉ ዝገለፁ ምንጭታት ናይ ዝተተንከፉ ኣሽማት ግን ኣይጠቐሱን። ’’ከይንቀሳቐስ ዝተገብረ ኣሎ’’ ዝበለ ካልእ ምንጪ ከኣ ‘’እቲ ምድስካል ንጥንቃቐ ዝተወስደ ስጉምቲ ስለዝኾነ እቶም ጥርጡራት እንተድኣ ተኸሲሶም ወይ ነፃ እንተወፂኦም ዘብቅዕ እዩ’’ይብል።

ኣብ ልዕሊ እቶም ሰባት ዝቐርብ ዘሎ ክሲ ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ/ማኒ ላውንደሪ/፣ጉቦ፣ስልጣን ብዘይኣግባብ ንውልቃዊ ረብሓ ምውዓልን ዝብሉ ምዃኑ ሓደ በዓል ስልጣን ስዑዲ ገሊፆም።

ሓድሽ ዝተጣየሸ ኮሚቴ ፀረ-ብልሽውና ኣብ ውሽጢን ኣብ ወፃእን ሃገር ዝርከብ ንብረት ናይ ምሓዝ ስልጣን ኣለዎ።

እቲ ናይ ማእሰርቲ ስጉምቲ ኣብታ ሃገር ሕውስዋስ ስምዒት ከምዝፈጠረ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ከባቢ ጂዳ ወኪል ራድዮ ዶቼ ቬሌ ዝነበረ ነብዩ ሲራክ ንድምጺ ኣሜሪካ ከምዚ ክብል ይገልፆ።

“ኣዚዩ ዘዘራርብ ዘሎ እዩ።ኣብ ዘረባና ንሕና ኢትዮጵያዊያን ናይ ሸኽ ሑሴን ኣላሙዲ ጉዳይ ልዕሊ ኢሉ ክርኣየና ይኽእል ይኸውን።ዝተኣስሩ ሰባትኮ ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር ወሳኒ ቦታ ዘለዎ ዓለምለኸ ሰባት ዝርከቡዎም እዮም።ስለዚ ኣዚዩ መዘራረቢን ዘፍርሕን ስለዝኾነ ሕውስዋስ ስምዒት ይፈጥር እዩ ዘሎ።”

ብኽሲ ብልሽውና ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዝ ኣተው ሰበ ስልጣንን ሰብ ዋኒን ስዑዲ ተታሒዞምሉ ዘለው ሆቴል ሪትዝ ካርልተን
ብኽሲ ብልሽውና ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዝ ኣተው ሰበ ስልጣንን ሰብ ዋኒን ስዑዲ ተታሒዞምሉ ዘለው ሆቴል ሪትዝ ካርልተን

ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ካብ መንጎ ዝወዓሉ 11 ልኡላት፣ኣርባዕተ ሚንስትራትን ልዕሊ 10 ናይ ሚንስትራት ነበር ዝርከቡዎም ሸኽ መሓመድ ኣላሙዲ ኣብ በዓል ሓሙሽተ ኮኾብ ሆቴል ሪትዝ ካርልተን ተታሒዞም ከምዝርከቡ ተፈሊጡ’ሎ።

15.3 ቢሊዮን ናይ ኣሜሪካ ዶላር ዝተመዝገበ መጠን ሃብቲ ከምዘለዎም ዝግለጽ ሸኽ መሓመድ ኣላ ሙዲ ቀንዲ ፍልፍል ሃብቶም ነዳዲ ከምዝኾነ ይንገር።ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘፈራት ሆቴልን ቱሪዝምን፣ሕርሻ፣ትምህርቲ፣ማዕድን፣ኮንስትራክሽን፣ሪልስቴት፣ማኒፋክቸሪንግ ኢንዱስትሪን ፋይናንስን ብምስታፍ ልዕሊ 70 ኩባኒያታትን ልዕሊ 40 ሽሕ ሰራሕተኛታት ቆፂሮም ዘስርሑ ብርዓል ሃብቲ ምኳኖ ይግለጽ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG