ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስዑድ ዓረብ: ምስ ምእሳር ላዕለዎት ሰበስልጣንን ነጋዶን ብርኪ ዕዳጋታታ ብ1.5 ሚእታዊት ጎዲሉ


ብሰንኪ ምእሳር ሚንስተራትን ሰብ ዋኒን ስዑዲ ዓረብ፡ ዕዳጋ'ታ ሃገር ብ1.5 ሚእታዊት ምጉዳሉ ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:24 0:00

ስዑዲ ዓረብ ትማሊ ሶኑይ 6 ሕዳር,2017 ንብኣሰርተታት ዝቑጸሩ አባላት ንግስትነት፡ ሚንስትራትን ሰብ ዋኒን እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዋ: ዋጋ ዕዳጋታት ብርኪ እታ ሃገር ብ1.5 ሚእታዊት ምጉዳሉ ጎዲሉ።

ብ ኣልቢላር ዝተባህለ ወፍሪ ዘካይድ ትካል እታ ሃገር ከም ተመራማሪን አማኻሪን ኮይኑ ዝሰርሕ ቱርኪ ፋዲቅ: ኣብ መስርሕ ምምዕራይ ቁጠባ ሓንቲ ሃገር ብልሽውና ክትቃለስ ናይ ግድን እዩ። ስለዚ እቲ ውሳኔ ንጉስ ስዑዲ ድማ ልዕሊ ሕጊ ዝኸውን ሰብ ከምዘየለ ዘርእ እዩ ይብል።

ኣብ ዕዳጋ እታ ሃገር ዝዓበየ ምጉዳል( ሓሙሽተ ሚእታዊት) ዝተራእየ ኣብ ወፍሪ ሚልየነር ልኡል ኣልዋሊድ ቢን ጣሊል ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።

ወራሲ ዓራት ስዑድ ዓረብ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን
ወራሲ ዓራት ስዑድ ዓረብ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን

ወራሲ ዓራት ስዑድ ዓረብ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን: ስልጣኑ ንምድልዳልን ብልሽውና ንምቅላስን : አባላት ካቢነ ድሕሪ ምቕያሩ ንገለ ሚንስትራት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታው ይፍለጥ።

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ትማሊ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሚንስተራትን ሰብ ዋኒን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዋ: ንስልጣን ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ዘሕይል'ኳ እንተኾነ: ኣብ ጽላታት ንግድን ቁጠባን እታ ሃገር ግን ኣሉታዊ ጽልዋ ክህልዎ’ዩ ዝብሉ ወገናት’ውን ኣይተሳእኑን።

XS
SM
MD
LG