ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ስዑድያ፡ ኢትዮጵያዊ ሸኽ መሓመድ ኣላ-ሙዲ ዝርከቦም ብብልሽውና ዝጠርጠሮም ሓያለ ሰበ ስልጣኑን ነጋዶን አሲሩ


ሼህ መሃመድ ሁሴን አል አሙዲ
ሼህ መሃመድ ሁሴን አል አሙዲ

መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ብግዕዝይና ዝጠርጠሮም ሓያለ ሰበ ስልጣን መንግስቲን ነጋዶን ከም ዝኣሰረ ተሓቢሩ። ካብ መንጎ’ቶም መንግስቲ ስዑዲ ብግዕዝይና ጠርጢሩ ዝአሰሮም ብትውልዲ ኢትዮጵያዊ ዝኾኑ ናይ ስዑዲ ዲታ ሼክ መሓመድ ኣላ-ሙዲ ከምዝርከብዎም ፀብፃባት ሓቢሮም።

ብትውልዲ ኢትዮጵያዊ ዝኾኑ ሼኽ ኣላ-ሙዲ ኣብ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ናይ ውልቒ ኢንቨስተር ማለት ናይ ውልቂ በዓል ሃፍቲ ክኾኑ ኸለዉ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝወከልዎም ናይ ውልቂ ጠበቃ ምእሳሮምን ዘይምእሳሮምን መረጋገፂ ከይሃቡ፡ ግን ኣቲ ዜና ከም ኩሉ ሰብ ከምዝሰምዑ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም። ክሳብ ትማሊ ንጉሆ ብስልኪ ይረኽብዎም ከምዝነበሩ’ውን ወሲኾም።

መንግስቲ ስዑዲ በዚ ሓድሽ ወፍሪ ፀረ- ግዕዝይና 11 ልዑላትን 38- ፍሉጣት ሰብ ሃፍቲን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩ’ሎ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:00:49 0:00

XS
SM
MD
LG