ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰነተር ሳንደርስ ብጸቢብ ይዕወቱ፡ ዶናልድ ትራፕ ድማ ዓወቶም ይቕጽሉ


ትማሊ ሶሉስ ኣብ ክልተ ዓበይቲ ክፍለ-ግዝኣታት ኣመሪካ ዝተካየደ መባእታዊ ፕረሲደንታዊ ምርጫ፡ ትኩረት ብዙሓት ዝሰሓበ’ዩ ኔሩ። ካብ ዲሞክራቲክ ፓርቲ ዝመርሓ ዘለዋ ሂላሪ ክሊንተን ኣብ ክፍለ-ግዝኣት ሚሲሲፒ እንተተዓወታ`ኳ፡ ካብ ፓርተን ዝኾኑ በርኒ ሳንደርስ`ውን ንሂላሪ ክሊንተን ብጸቢብ ብምብላጽ ኣብ ክፍለ-ግዝኣት ሚሽጋን ተዓዊቶም ኣለዉ።

ብተመሳሳሊ ካብ መንጎ ሕጹያት ተወዳደርቲ ፓርቲ ሪፖብሊካን ዶናልድ ትራፕ ኣብ ክልተ ክፍለ-ግዝኣታት ተዓዊቶም። እዚ ድማ ነቲ ፓርቲ ወኪሎም ክርቑሑ ዘለዎም ተኽእሎ ዘልዕል’ዩ።

እዚ ኣብ ክፍለ-ግዝኣት ሚሽጋን ዝተመዝገበ ዓወት ሰነተር በርኒ ሳንደርስ ነቲ ብሂላሪ ክሊንተን ዝምራሕ ውድድር ፓርቲ ዲሞክራት ከምዘይልውጥ ይግለጽ`ኳ እንተሎ፡ በርኒ ሳንደርስ ግን ዓወቶም ከም`ዚ ክብሉ ይገልጹ።

‘እዚ ናይ ሎሚ ምሸት ዓወት ዘመተ በርኒ ሳንደርስ ኣብቲ ዝተዛረብናሉ ሰውራ ህዝቢ፡ፖለቲካዊ ሰውራ አብዛ ሃገር ሓያል ምኳኑ ዘርእይ’ዩ።’

ሂላሪ ክሊንተን ኣብ ክፍለ-ግዝኣት ሚሲሲፒ ዝተዓወታ ክኾና ኸለዋ ኣብ ሚሽጋን ድማ ንቁጽሪ ኣባላት ልዑኻን ፓርቲ ዲሞክራት ምስ መወዳደርተን በርኒ ሳንደርስ ተማቂለን። ብተወሳኺ ኣብቲ ዝመጽእ ሰሙን ዝኻየድ መባእታዊ ምርጫ ኣብ ሓሙሽተ ክፍለ-ግዝኣታት ዝለዓለ ቁጽሪ ልዑኻን ዝረኸባ ተወዳዳሪት’የን።

ብኻልእ ወገን ኣብ ውድድር ፓርቲ ሪፖብሊካን ዶናልድ ትራፕ ኣብ ክልቲኡ ክፍለ-ግዝኣታት ሚሲሲፒን ሚሽጋንን ብምዕዋት ነቲ ፓርቲ ወኪሉም ንምርጫ ፕረዝደንት ኣሜሪካ ክወደዳደሩ ዘለዎም ተክእሎ ክብ ኣቢልዎ`ሎ።

ዶናልድ ትራፕ ዋላ’ኻ ኣብ ቀረባ እዋን ኣንጻሮም ናይ ቴሌቭዥን መወዓውዒን ዕንቅፋታት እንተተዘርገሐ፡ በቲ ናይ ትማሊ ሶሉስ ዓወት ዝዓገቡ ይመስሉ።

ኣመሓዳሪ ኦሃዮ ዝኾኑ ጆን ካሲችን ሰነተር ቴክሳስ ቴድ ክሩዝ ካልኣይን ሳልሳይን ኮይኖም አብ ክፍለ-ግዝኣት ሚሽጋን ዝተዓወቱ ክኾኑ ከለው ሕጹይ ተወዳዳሪ ጆን ካሲች ንደገፍቶም ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ክፍለ-ግዝኣቶም ንዝካየድ መባእታዊ ምርጫ ብተስፋ ክጽበዩ አተሓሳሲቦም’ዮም።

ሰነተር ቴድ ክሩዝ ኣብ ኣይዳሆ ዝተኻየደ መባእታዊ ምርጫ ዝተዓወቱ ክኾኑ ከለው ሃገራዊ ኣሃዛዊ መዓቀኒ ርእይቶ ህዝቢ ድማ ምንቁልቋል ዶናልድ ትራፕ የርኢ ኣሎ ኢሎም።

ኣብዚ ናይ ትማሊ ምርጫ ዓወት ዘይርኸቡ ሰነተር ማርኮ ሪብዮ’ውን ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ክፍለ-ግዝኣቶም ዝካየድ ምርጫ ክዕወቱ ተስፋ ይገብሩ።

እዚ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ሶሉስ ኣብ ሓሙሽተ ክፍለ-ግዝኣታት ዝካየድ ምርጫ ብፍላይ ድማ እቲ ኣብ ኦሃዮን ፍሎሪዳን ዝካየድ ምርጫ ዝዓበየ ክከውን ከሎ ነቲ ቤተ-መንግስት ዋይት ሃውስ ንምእታው ዘሎ ተስፋ ድማ ዘተግብር ወይ’ውን ተስፋ ዘቁርጽ ምርጫ’ ክኸውን`ዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ሰነተር ሳንደርስ ብጸቢብ ይዕወቱ፡ ዶናልድ ትራፕ ድማ ዓወቶም ይቕጽሉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:14 0:00

XS
SM
MD
LG