ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሩዋንዳን ኡጋንዳን ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ካብ እስራኤል ንምቕባል ከምዘይተሰማምዓ ገሊጸን


ሩዋንዳን እስራኤልን እቲ ብብዙሓት ትካላት ተሓለቕቲ መሰላት ክንቐፍ ዝቐነየ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ካብ እስራኤልን ንምቕባል ዝብል ሓድሽ ፖሊሲ እስራኤል ንምትግባር ከይዘይተሰማምዓ ገሊጸን።

እስራኤል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኣቶ ሓድሽ ፖሊሲ ናብ ሃገራ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣተው እዮም ንዝበለቶም ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ወይ ናብ ሳልሳይ ሃገር ክጣየሱ ብኣሽሓት ዝቑጸር ገንዘብ ከምትኸፍል እዚ ምስ ዘይኸውን ግን ማእሰርቲ ከምዝገጥሞም ኣፍሊጣ ኔራ። ነዚ ንምትግባር ድማ ናይ ሰለስተ ወርሒ ናይ ጊዜ ገደብ ምሃባ ይፍለጥ።

መንግስቲ እስራኤል እቶም ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ናበየናይ ሳልሳይ ሃገር ከምዝጣየሱ ብወግዒ እንተዘይሓበረ ከም ሆትላይ ፎር ረፉጂ ዝተባህላ ትካላት ተሓላቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ግን ሩዋንዳን ኡጋንዳን ነቶም ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ካብ እስራኤል ንምቕባል ከምዝተሰማምዓ ክሕብራ ጸኒሓን እየን።

እንተኾነ ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ሩዋንዳ ኦሊቨር ኑዱሁኒግረህ “ሩዋንዳ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ንምቕባል ዝኾነ ዓይነት ስምምዕ ምስ እስራኤል ኣይፈጸመትን” ኢሎም። ብተመሳሳሊ ናይ ሩዋንዳ መዘነኦም ሚንስትር ኦኬሎ ኦረም ብወገኖም “ ስደተኛታት ንምቕባል ዝብል ኣብ መንጎ መንግስታት ኡጋንዳን እስራኤልን ዝተፈረመ ዝኾነ ዓይነት ስምምዕ የለን” ኢሎም።

ብተወሳኺ ንሶም ዝኾነ ነዚ ብምጽራር ዝዝርጋሕ ዜና ድማ “ናይ ሓሶት ዜና…. ምሉእ ብምሉእ ዘይረብሕ”እዩ ክብሉ ገሊጾም።

መብዛሕትኦም ኣብ እስራኤል ዝርኸቡ ስደተኛታት ካብ ኤርትራን ሱዳን ናብ እስራኤል ዝኸዱ ኮይኖም ኣብ ሃገራቶም ካብ ዘሎ ስቕያት፡ኩናትን ቁጠባዊ ጸገምን ከምልጡ ዝተሰደዱ ኽኮኑ ከለው እስራኤል ግን ንኩሎም ናይ ቑጠባ ስደተኛታት እዮም ትብል።

ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝኾኑ ትካላት እስራኤል ንመስርሕ መሕትት ዑቕባ ስደተኛታት ብምድንጓይን ብፖሊሲ ብምምስማስ ክትነጽግ ብምጽንሓ ይነቕፉ።

XS
SM
MD
LG