ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እስራኤል ኣብ ሃገራ ዝርከቡ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ካብ ሃገራ ክወጹ ወይ ድማ ማእሰርቲ ከምዝጽበዮም ኣፍሊጣ


እስራኤል ናብ ሃገራ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣተው ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ክወጹ ወይ ድማ ማእሰርቲ ከምዝጽበዮም ኣፍሊጣ።

ሰበ ስልጣን ክፍሊ ህዝብን ኢሚግሬሽን እስራኤል ኣብዚ ሰሙን’ዚ ካብ ሱዳንን ኤርትራን ዝመጹ ስደተኛታት ናብ ሳልሳይ ሃገር ሩዋንዳ ወይ ኡጋንዳ ክወጹ ከምዝኣዘዙ’ውን ይፍለጥ።

ብተወሳኺ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ክሳብ ወርሒ መጋቢት ዝወጹ 3,500 ዶላር ገንዘብ፡ ናይ ኣየር ቲኬትን ካልእ ሓገዝ ከምዝወሃቦም ይገልጹ።

ሆትላይን ንሰራሕተኛታት ስደተኛታት ኣብ እስራኤል ዝተባህለ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ነቲ ውሳኔ ብምኹናን እቲ ስጉምቲ ንህይወት ስደተኛታት ኣብ ሓደጋ ዘእትው ምኳኑ’ውን ገሊጹ።

እስራኤል ቅድሚ ምስ ግብጺ ዘዳውባ ዶብ ብሓጹር ምሕጻራ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ኣብ ሃገራቶም ካብ ዘሎ ግጭትን ስቕያትን ሃዲሞም ናብ እስራኤል ብምእታው ዑቕባ ዝሓተቱ ክኮኑ ከለው እስራኤል ግን እዞም ስደተኛታት ናይ ቁጠባ ስደተኛታት እዮም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣተው ነቲ ኣይሁድ ህዝቢ እታ ሃገር ስግኣት ዝፈጥሩ እዮም ብማለት ናይ ዑቕባ ሕቶምኦም ዘይምቕባላ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG