ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እስራኤል ኣብ ሃገራ ዝርከቡ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ካብ ሃገራ ክወጹ ኣዚዛ


እስራኤል ናብ ሃገራ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣተው ንዝበለቶም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ክወጹ ወይ ድማ ማእሰርቲ ከምዝጽበዮም ኣፍሊጣ።

ሰበ ስልጣን ክፍሊ ህዝብን ኢሚግሬሽን እስራኤል ኣብዚ ሰሙን’ዚ ካብ ሱዳንን ኤርትራን ዝመጹ ስደተኛታት ናብ ሳልሳይ ሃገር ሩዋንዳ ወይ ኡጋንዳ ክወጹ ከምዝኣዘዙ’ውን ይፍለጥ።

ብተወሳኺ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ክሳብ ወርሒ መጋቢት ዝወጹ 3,500 ዶላር ገንዘብ፡ ናይ ኣየር ቲኬትን ካልእ ሓገዝ ከምዝወሃቦም ይገልጹ።

ኣብ እስራኤል ን9 ዓመታት ዝነበረ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዝነጥፍ ኤርትራዊ መንእሰይ ተኽሊት ሚካኤልን ካብ ናይ ሕ/ሃ ትካል ስደተኛታት ኣብ እስራኤል ክፍሊ ህዝባዊ ሓበሬታን ርኽብ ወጺኢ ጉዳያት ሻሮን ሃረል ዝተኻየደ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG