እዚ ድማ ሓደ ካብቲ ዝደሓረ ፍጻሜታት ኮይኑ ነቲ መንጎ ኣባላት ፓርቲ ሪፖብሊካንን ዴታ ዶናልድ ትራምፕን ዘሎ ቅልስ ዘገፍሕ’ዩ። ሕጹይ ፕረዝደንታዊ ተወዳዳሪ ዓመተ 2016 ዝኾኑ ዶናልድ ትራፕ ድማ በቲ ልሙድ ግብረ-መልሶም ንሚት ራምኒ ነቒፎሞም።
በዚ ድማ እቶም ኣብ 2012 ዓ.ም.ፈ ብፓርቲ ሪፖብሊካን ተረቑሖም ንፕረዝደንት ኣሜሪካ ዝተወዳደሩ ሚት ራምኒ መርገጺኦም ኣብ ልዕሊ ዶናልድ ትራፕ ኣፍሊጦም’ለዉ።
‘ዶናልድ ትራምፕ መታለሊ’ዩ። መብጽዓታቱ’ውን ከም ዲግሪ ካብ ትራምፕ ዩኒቨርሲቲ ዋጋ ዘይብሎም’ዮም። ንህዝቢ ኣሜሪካ ድማ ይጻወተሉ’ዩ ዘሎ ። ናብ ቤተመንግስቲ ዋይት ሃውስ ብነጻ ተሓንጊሩ እንተአትዩ ድማ ውጽኢቱ ንኩላትና ሕማቕ’ዩ ዝከውን’ ኢሎም።
ንሶም ብተወሳኺ ብዛዕባ ናይ ውሽጢ ሃገር ፖሊሲታት ዶናልድ ትራምፕ ንኣሜሪካ ናብ ቁጠባዊ ዝሕታለ ዝመርሓ: ናይ ወጻኢ ጉዳያት ፖሊሲታቶም ድማ ኣብ ዓለም ዝተሓተ ውሕስነት ዘለዋ ሃገር ክትኸውን ዝገብር’ዩ ኢሎም።
ኣብ ፖርትላንድ ኣብ ወፍሪ ምረጹኒ ዝርከቡ ሕጹይ ተወዳዳሪ ዶናልድ ትራምፕ ድማ ንደገፍቶም ራምኒ አብ ዝተወዳደርሉ ጊዜ ከምዝደገፍዎምን ገንዘብ ከምዘዋጽዕሎምን ብምዝክኻር ቅልጡፍ ግብረ-መልሲ ሂቦም።
እዚ ከምዚ’ሉ ኸሎ ማርኮ ሩብዮ፡ ሰነተር ክፍለ-ግዝኣት ቴክሳስ ዝኾኑ ቴድ ክሩዝን ኣመሓዳሪ ኦሃዮ ዝኮኑ ጆን ካሲችን ኩላቶም ዝሓሸ ሕጹይ ተወዳዳሪ ምዃኖም ብምግላጽ ዘመተኦም ኣንጻር ዶናልድ ትራምፕ የጎሃህሩ’ለው እንተኾነ ግን ግዜ ይጽንቀቆሞ’ሎ።
ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።